የትግራይ ክልል ኮንስትራክሽን መንገድን ትራንስፖርትን ቢሮ

ምልክታ ግልፂ ጨረታ ቑፅሪ 01/ 2017

ቢሮ ትራንስፖርትን መራኸብን ክልል ትግራይ ኣብ 2017 በጀት ዓመት ንዘለውኦ መካይን ናይ መኪና ፅገና ግልጋሎት ካብ ሕጋዊያን ነጋዶ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ንሓደ ዓመት ውዕሊ ኣሲሩ ግልጋሎት ክረክብ ይደሊ። ስለዚ ኣብዚ ጨረታ ክትወዳደሩ ትደልዩ ነጋዶ ዝስዕብ ረቛሒ ዘማላእኹም ክትወዳደሩ ይዕድም።

1. ናይ 2016 ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ፣ ናይ 2016 ዓ/ም ዝተሓደሰ መቕረባይነት ሰርቴፊኬት፣ ናይ ግብሪ ከፉላይ መለለይ ቑፅሪ II ሰርተፊኬት ፣ ናይ ሻት ሰርቴፊኬትን ናይ ሑሉፍ ሰለስተ ወርሒ ናይ 2016 ዓ/ም ዴክሌር ዝገበርኩሙሉ መረዳእታን ብተወሳኺ 4ይን 5ይን ደረጃ ፍቃድ ጋራዥ ከቅርቡ ዝኽእል።

2. ተጫረቲ ነንሕድሕድ ጨረታ ዘይምለስ 100.00 ብር /ሓደ ሚኢቲ ብር/ እናኸፈልኩም ካብ ትራንስፖርትን መራኸብን ክልል ትግራይ ዳይሬክቶሬት ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምም/ር ኣብ ሐበራዊ/ኮምፕሌክስ/ ህንፃ 3ይ ደብሪ ቑፅሪ ቢሮ 171 ካብ ዕለት 15/11/2016 ክሳብ 25/11/2016 ዓ/ም ሰዓት 4፡00 ኣብ ናይ ስራሕ ስዓት እናመፃእኹም ናብ ዝተዓሸገ ናይ ጨረታ ሳፁን ፖስታኹም ክተእትው ትኽእሉ ምኻንኩም።

3. ተጫረቲ ናይ ጨረታ ውሕስና መኽበሪ 5,000.00/ሓሙሽተ ሽሕ ብር/ ብባንኪ ዝተረጋገፀ CPO፣ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ውሕስና ወይ ብጥረ ገንዘብ እንተኾይኑ ናብ ናይ ኢትዮጵያ ንግዲ ባንኪ ኣካውንትና B-Account ቁፅሪ 1000538971697 ኣታዊ ምግባር ክተትሕዙ ትኽእሉ።

4. ኣብ ጨረታ ተወዳዲሮም ናይ ዘሸነፍዎ ግልጋሎት ልዕሊ 3,000.00/ሰለስተ ሽሕ ብር/ እንተከይኑ ቫት 7.5 % ኣብ ቢሮ ተቖሪፁ ኣታዊ ይኸዉን።

5. ተጨረታ ሰዓራይ ተባሂሉ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ድሕሪ 3' ናይ ቅሬታ መዓልቲ ኣብ ውሽጢ 3' ናይ ስራሕ መዓልቲ ውዕሊ ክኣስር ኣለዎ።

6. ተጨረታ ሰዓራይ ውዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ክሳብ ሰነ 30/2017 ዓ/ም ንሓደ ዓመት ውዕሊ ክስር ዝኽእል ምኻኑ ክፍለጥ ኣለዎ።

7. መወዳደሪ ደኩሜንት ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ብዝተዓሸገ ፖስታ ናይቲ ትካል ሽምን ኣድራሻን ማህተምን ፌርማን ክህልዎ ይግባእ።

8. ቢሮና ነቲ ጨረታ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ኮነ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።


ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቴሌፎን ቑፅሪ +251914222506/+251914759607 ደዊልኩም
ሓበሬታ ክትረኽቡ ትኽእሉ ምዃንኩም ንሕብር ፡፡