መንበረ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ላዕለዋይ ቤተ ክህነት ኦርቶዶክስ ተዋሀዶ ቤተ ክርስቲያን ትግራይ

ምልክታ ጨረታ ዕድጊት እክልን ጥራምረን

መንበረ ሰላማ ካሳቴ ብርሃን ላዕለዋይ ቤተ ክህነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ትግራይ ኮሚቴ ህፁፅ ሓገዝ ብድርቂ ንዝተጠቕዑ ወገናት ሓገዝ ዝውዕል ማሽላ ባሕሪ(ዕፍን ቦርድ ናይ ኢንቨስተር) 1ይ ደረጃ ንእንጀራ ዝኾን ፤ ዕሩይ ዓብዪ ዓተር/ክክዕን ፤ ዘይቲ ብልዕን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

በዚ መሰረት ነዞም ቐፂሎም ዘለዉ ረቓሕታት እተማልኡ ሕጋዉያን ነጋዶ ክትወዳደሩ እንዳዓደምና ዋጋ እቲ እኽልን ዘይቲን ኣብዚ ቅጥዒ መሊኢኹም ክተቕርቡ ነተሓሳስብ።

ተ.ቁዓይነት ንብረትመዐቀኒበዝሒናይ ሓደ ዋጋጠቅላላ ዋጋመብርሂ
1ማሽላ ባሕሪኩንታል1350
2ዓተር ክክዕኩንታል135
3ዘይቲ ሓፊስ በዓል 20 ሊትሮጀሪካን450

በዝሒ መጠን ከም በጀቱ ኣድላይነቱ ክውስክ ክቅንስ ይክእል እዩ።

1. ናይ 2016 ዓ/ም ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ ዘለዎ

2. መለለይ ቁፅሪ ክፍሊ ግብሪ/Tin ሰርትፍኬት ዘለዎ

3. ተወዳደርቲ ዋጋ መሊኦም ዘምፅእዎ ፕሮፎርማ ማሕተም ፊርማን ስልኪ ቑፅሪን ብምግባር ዝተመልአን ዝተዓሸገን ፖስታ ናብ ደብረ ሰላም ቅዱስ ሚካኤል ቤተ ክርስቲያን ጅብሩክ ዘሎ ህንፃ 2ይ ደብሪ ዝርከብ ቤት ፅሕፈትና የቕርቡ።

4. ፕሮፎርማ ኣብ ኣየር ዝፀንሐሉ ካብ ዕለት 20/10/2016 ዓ/ም ኮይኑ ዕለት 24/10/2016 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ቅድሚ ሰዓት ተዓፅዩ ሰዓት 4:30 ቅድሚ ሰዓት ይኸፈት።

5. ዘቅርቦ ዓይነት እክሊ ሳምፕል ኣታዊ ይገብር።

6. እቲ ጨረታ ምስ ሰዓረ ኣብ ውሽጢ 5 መዓልቲ ከቅርብ ዝክእል።

7. ተጫረትቲ ንመኽበሪ ጨረታ ብር 100,000 ብሲፒኦ መልክዕ ብሽም እቲ ኮሚቴ የትሕዙ

8. እዚ ኮሚቴ ካልእ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብኸፊል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰል ዝተሓለወ እዩ።

ብተወሳኪ ሓበሬታ ኣብ ደብረ ሰላማ ቅዱስ ሚካኤል ቤተ ክርስቲያን ጅብሩክ ዝርከብ ህንፃ 2ይ ደብሪ ናይ መንበረ ሰላማ ኮሚቴ ህፁፅ ሓገዝ ቢሮ ቐሪብኻ ምሕታት ይከኣል ወይ በዚ ስልኪ ቑፅሪ 0914731541፤ 0924295752 10914753503 10914702488 ምድዋል ይካኣል።