የውቕሮ ማረሚያ ተቋም

ቁፅሪው/ማ/ህ/2/2016 

ዕለት06/09/2016ዓ/ም

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ውቅሮ ቤት ህንፀት ካብ በጀት ዓመት 2016 ዓ/ም ዝክፍል ናይ ህንፃ መሳረሒ ንብረት ካብ ሕጋውያን ነጋዶ ብግልፂ ጨረታኣወዱሩ ከገዝእ ስለ ዝደሊ፣

ተጫረቲ ከማልእዎ ዝግባእ ረቋሒ

1/ አብዚ ጨረታ ዝወዳደሩ ተወዳደርቲ በዚ ስራሕ ዘርፊ ናይ 2016 ዓ/ም ዝተሓደሰ ስራሕ ንግዲ ፍቓድን መቕረባይነትን ኮፒን ከቕርብ ዝኽእል፣

2/ ናይ መለለይ ግብሪ መኽፈሊ ቲን/tin/ ናምበር ፎቶ ኮፒ ከቅርብ ዠክእል ፣

3/ ተጫረቲ ጨረታ ቅድሚ ምኽፋቱ መኽበሪ ጨረታ ብር 4000 /ኣርባዕተ ሽሕ ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ፣ብስፒኦ /C.P.O/ ብባንኪ ዝተራጋገፀ ቸክ ብሹም ትካልና/ውቅሮ ማእኸል ቤት ህንፀት/ ከትሕዝ ዝኸእል፣

4/ ድሕሪ ናይ ጨረታ ሳፁን ምዕፃዉ ዝመፅእ ፖስጣ ይኩን ሓሳብ ተቀባልነት የብሉን ብተወሳኪ ንዝወፀ እስፕስፈኬሽን ኣማሊኡ ዘይተረከበ ተወዳዳሪ ካብ ውድድር ውድቂ ከም ዝግበር ክፈልጥ ኣለዎ፣

5/ ጨረታ ሰዓራይ ሰዓራይነቱ ካብ ዝተረጋገፀሉ መዓልቲ ድሕሪ 3' ናይ ጥርዓን ናይ ስራሕ መዓልቲ ኣብ ዉሽጢ 3 ናይ ስራሕ መዓልቲ መፂኡ ውዕሊ ከኣስር ዝኸእል በቲ ዝተጠቐሰ መዓልቲ ዉዕሊ እንተዘይኣሲሩ ዘትሓዞ መኸበሪ ጨረታ ናብ ናይ መንግስቲ ካዝና ኣታዊ ተገይሩ እቲ ቢሮ ከሊእ መማረፂ ክወስድ ይኽእል እዩ። ጨረታ ምስ ተኸፈተ ይኹን ሳንዱቐ ምስ ተዓሸገ ተጫራታይ ዝመልኦ ዋጋ ምስትኸኻል ኣይ ካኣልን።

6/ ተጫረቲ ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ካብ ዕለት 06/9/2016 ዓ/ም ክሳብ 16/9/2016ዓ/ም ሰዓት 5:00 ዘይምለስ 50.00/ሓምሳ ብር እናኸፈሉ ካብ ውቅሮ ማእኸል ህንፀት ደ/ከ/ዕ/ፈ/ንብ/ምም/ር ቢሮ ቁፅሪ 4' ክወስዱ ይኽእሉ እቲ ጨረታ ዕለት 16/9/2016ዓ/ም ሰዓት 6:00 ተዓፅዩ ሰዓት 8:00 ድሕሪ ሰዓት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላት ኣብ ዝተረኸብሉ ይኹን ኣብ ዘይተረኸብሉ ይኽፈት::

7/ ሰዓሪ ዝኾነ ተዳዳሪ ሰዓሪ ኮይኑ ምስተነገሮ ድሕሪ 3 ናይ ስራሕ ጥርዓን ማዓልቲ ኣብ ውሽጢ 3' ናይ ስራሕ ማዓልቲ ካብ ጠቅላላ ዋጋ ዝሳዓሮ 10% መክበሪ ውዕሊ ዘትሕዝ ከይኑ ዝሳዓሮ ንብረት ናይ ህንፃ መሳረሒ ኣብ ውሽጢ 10' ተከታተልቲ መዓልቲ ብናይ ባዕሉ መጋዓዐዝን መራገፍን ናብ ቤት ህንፀት ውቅሮ ኣታዊ ዝገብር፣

8/ ሰዓሪ ዝኾነ ተወዳዳሪ ካብ ዘሸነፎ ንብረት ዝክፈሎ ገንዘብ ልዕሊ 10000 /ዓስርተ ሽሕ ብር እንተኮይኑ 2% ዊዝ ሆልድ ታክሲ ይክፍል፣

9/ ቤት ዕዮና ካብ ሕድሕድ ንብረት 20% ናይ ምውሳኽ ወይ ምቅናስ ዝኸእል ምዃኑ፣

8/ መስራቤትና ዘሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብክፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፣

9/ ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቑፅሪ 0914112307 ወይ 0942660820 ምሕታት ይካል፣

ውቅሮ ማእኸል ህንፀት