ኣግኣዚ የፍትህ ባለሞያዎች ማሰልጠኛ ማእከል

ኣብዚ ግልፂ ጨረታ ዝዋዳደሩ መቕረብቲ ከማልእዎ ዝግባእ

1Â ምስቲ ዘቕርብዎ ኣቑሑት ዝተሐደሰ ናይ 2008 በጀት ዓመት ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቓድÂ ከቕርቡ ዝኽእሉ::

2 አብ ተወሳኺ ታክሲ / VAT/ ዝተመዝገብኩም ምኮንኩም ናይ ወርሒ ጥሪ 2008 ዓ/ም ዲክሊሬሽን ክተቕረቡ እትኽእሉንÂ /VAT/ ተመዝገብቲ ጥራሕ ይወዳደሩ

3 ግብሪ መንግስቲÂ ከፋሊ ምኮንኩም ዘረጋግፅ ንግብሪ ከፈልቲ ዝተዉሃበ መለለይ ቁፅሪÂ (TIN) Â መረዳእታ ከቅርብÂ ዝኽእሉ

4 ኣብ ኣብያተ ዕዩ መንግሰቲ ንዝፍፀም ግዝኢት ንምስታፍ ዝርዝር መቕረባይነት መረዳእታÂ ከቕርብ ዝኽእሉ::

5 ጨረታ ቅደሚ ምኽፋቱ ንጨረታ መኽበሪ ብር 4,000 ብሲፒኦ /ጥረ ገንዘብ ከትሕዝ ዝክእል

6Â ሰዓሪ ምኮኖም ካብ ዝግለፀሎም ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 5 ናይ ስራሕ መዓልቲ ናይÂ ዝሰዓርዎÂ ንብረት ዋጋ 10 % መኽበሪÂ ዉዕሊ ብስፒኦ ኣትሒዞም ዉዕሊ ብምእሳር ብናይÂ ባዕሎም መጎዓዝያ መፅዓንን መራገፍን ናብ ትካልና ከቕርቡ ዝኽእሉ::

7Â ሰነድ ጨረታ ካብ ዕለት 25/ 06/ 2008 ዓም ጀሚሩ ንሕድሕድ ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 20.00Â ብር / ዒስራ ብር/ ብምኽፋል ካብ ኣግአዚ ማእኸል መሰልጠኒ ሰብ ሞያ አካላት ፍትሒ ከ/ስራሕ ዕዳ/ ፋይ /ንብ /ምምሕዳርን ብምዉሳድ ዝወዳደርሉ መሊኦም አብ ዝመልእዎ ሰነደ ጨረታን ኣብቲ ሰነደ ጨረታ ዝተዓሸገ ሽሞምን ኣድራሾምን ፅሒፎም ፈርማን ማህተምን ገይሮም ኦርጅናል ፎቶ ኮፒን ነፂሮም ነኒበይኖም ብዝተፈላለየ ፖስታ ዓሺጎም ከሳብ ዕለት 08/07/ 2008 ዓ/ምÂ Â ሰዓት 8:00 ኣታዊ ክግብሩ አለዎም::

8 ጨረታ ዕለት 08/07/2008 ዓ/ም ሰዓት 8:00 ተዓፅዩ 08/07/2008 ዓ/ም 8:30 ይክፈት::

9 ጨረታእንትክፈት ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወኪሎም አብዘለወሉ ዝክፈት ኮይኑ ግና ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወኪሎም አብ እዋን ምክፋት ጨረታ ብዝይምህላዎም ምኽፋት ጨረታ ኣይጋተትን::

10 ትካልና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እዚ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፈል ናይÂ ምስራዝÂ መሰሉ ዝተሐለወÂ እዩ::

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344431053/0829 ደዊልካ ምሕታት ይከአል ::

Â