የሽረ አፈር ምርምር ማዕከል

ስለዚ ኣብ መምርሒ ተጫረቲ ዘለዎ ዝርዝር መለክዕታት ተማልኡ ነጋዶ በቲ ዝቀረበ ዝርዝር መሰረት ንክትጫረቱ ሰነድ ጨረታዉን ዘይምለስ ንነፍስወከፍ 50 ቅርሺ እናከፈልኩም ካብቲ ትካል ክትወስዱ የተሓሳስብ

1 በቲ ዓዉዲ ናይዚ ዘበን ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም

2 መቅረባይነትን ቲን ነምበርን ዘለኩም

3 መክበሪ ጨረታ ብሲፒኦ ወይንም ብጥረገንዘብ ክተቅርቡ እትክእሉ

4 መረዳእታ ተወሳኪ እሴት ታክስ ናይ ሕዳር 2012 ዓ ∙ም ዘቅርብ ወይንምድማ ቫት ተመዝገብቲ ዝኮንኩም

5 ጨረታ ኣብ ኣየር ዝፀንሐሉ ካብ 14 ጥሪ 2012 ዓ ∙ም ክሳብ 28 ጥሪ 2012 ዓ∙ ም እንትከዉን እቲ ጨረታ ዕለት 28 ጥሪ 2012ዓ∙ ም ሰዓት 8፡00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 8 ፡30 ይክፈት

6 ሰዓራይ ዝሰዓሮ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጋዕዝያ ናብ ማእከል ምርምር ሓመድ ሽረ ንብረት ክፍሊ ዘረክብ ምካኑን ንብረቱ ብባዓል ሞያ ምስተረጋገፀ ክፍሊት ዝፍፀመሉ መካኑ ንሕብር

7 እቲ ትካል ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ። 20% ናይ ምዉሳክን ምንካይን መሰል አለዎ

8ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344440604 ወይንድማ 0344440201 ደዊልኩም ምሕታት ትክእሉ ።