ምልክታ ግልፂ ጨረታ
ንማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ UNFPA Project ማይጨዉ፣ ዓዲግራትን መቕለን ግልጋሎት ዝዉዕል፡-
| ናይ ተግባር ስልጠና | ናይ ዓበይቲ ፐርሰናል አይተም |
| ናይ ዓበይቲ ምግቢ | ናይ ስነ ልቦና ኣቑሑት/ዓቅሚ መዕብይ |
| ናይ ፅሬት ናውቲ | ፅሕፈት መሳርሒ |
| ናይ ሕክምና ናዉቲ | ናይ ህፃናት ፐርሰናል አይተም |
| ናይ ህፃናት ምግቢ |
ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ስለ ዝደለየ ሕጋዊ ነጋዶ ዝኾንኩም ንክትወዳደሩ ትዕድም ተጫረቲ ከማልእዎ ዝግበእ ረቋሒታት
1. ናይ 2018 ዓ.ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፋቃድ ከቅርብ ዝክእል
2. ናይ ግብሪ ከፋላይ መፍለ ይ ቁፅሪ ( TIN NO) ከቅርብ ዝክእል
3. ዝተሓደሰ ናይ ቫት ተመዝጋቢ ሰርተፊኬትን መቕረባይነትን ከቅርብ ዝክእል
4. ተጫረቲ ምስ ቫቱ ዝተመልአን ናይ ጠቕላላ ዝተጫረቶ/ዝመልእዎ ድምር አቐሚጡ ናይቲ ድምር ዋጋ 2% ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ከትሕዝ ዝክእል
5. ተጫረቲ ዝመልእዎ ዋጋ ነፀላ ዋጋ ምስ በዝሒ ዝተራበሐ ጠቕላላ ድምር ከቐምጡ አለዎም
6 ካብ ዝተገለፀ ስፔሲፊኬሽን ብጌጋ ይኹን ብፍላጥ ዘቕረበ ወይ አታዊ ዝገበረ ተቐፂዑ ዳግማይ ንከይጫረት ይግበር
7. ናይ ጨረታ መግዝኢ ሰነድ ዘይምለስ ብር 100.00 ብምክፋል ካብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ደቂ አነስትዮ ትግራይ ብአካል ብምምፃእ ምውሳድ ይካአል
8. ተጫራታይ ስዓራይ ምኳኑ ከብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 3ተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ሪፖርት ክገብር
9. ተጫራታይ ካብ ናይ ቤት ፅሕፈትና ስፒስፊኬሽን ወፃኢ ምምላእ አይፍቀድን
10. ተጫራታይ አብ ሰነድ ጨረታ ስርዝ ድልዝ እንተሃልይዎ ብቀጥታ ካብ ጨረታ ይስረዝ
11. ጨረታ ሰነድ አብ አየር ዝፀንሐሉ ግዜ ካብ ዕለት 04/02//2019 ዓ.ም ክሳብ 11/02/2019 ዓ.ም ዝፀንሕ ኮይኑ ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 11/02/2019 ዓ.ም ሳዓት 4፡00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4፡30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም አብ ዝተረከብሉ ኣብ ቀበሌ 15 ኣብ ዝርከብ ዋና ቤት ፅሕፈትና ዝክፈት ይክውን
12. ቤት ፅሕፈትና ካብቲ ዘጫረቶ 20% ምዉሳኽ ወይ ምቕናስ ይኽእል
13. መክፈቲ ዕለት ቀዳም ሰንበትን እንተዊዒሉ አብ ዝቅፅል ናይ ስራሕ መዓልቲ ዝክፈት ይክውን
14. ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝመሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡