⚡ ፈጣን የአይአይ ማጠቃለያ
* ሰነድ ጨረታ ካብ ዕለት 15/09/2026 ዓ/ም ክሳብ 17/09/2026 ዓ/ም ሰዓት 8:30 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ክፍለ ከተማ ዓዲ ሓቂ ጥቓ ዓይኒ ሕክምና ካብ ዝርከብ ቤት ፅሕፈት ምውሳድ ይከኣል።
* ጨረታ ብዕለት 17/09/2026 ዓ/ም ሰዓት 8:30 ድሕሪ ቀትሪ ተዓፅዩ፣ በቲ ዕለት ሰዓት 9:00 ድሕሪ ቀትሪ ይኸፈት።
* ተወዳደርቲ ካብ ብርሃንና ሰላም ማተምያ ዘሐተምዎ ሓዱሽ ቅብሊት ወይ ናይ ካሽ ረጅስተር መሽን ዘለዎም ሕጋውያን መቕረብቲ ክሆኑ ኣለዎም።
ምልክታ ፕሮፎርማ
ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ መተሓባበሪ ቢሮ ክልል ትግራይ ኣብ ታሕቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያ ሰበኻ ዓዲ ግራት ንዝተፈላለዩ ናይ ሕብረተሰብ ክፋላት ኣብ ትምህርቲ፤ ጥዕናን ልምዓትን ካልኦት ማሕበራዊ ፀገማትን ኣገልግሎትን ሓገዝን እናበርከተ ዝርከብ ገባሪ ሰናይ ትካል እዩ። ብፍላይ ድማ ኣብ ክልልና ምስ ት/ቲ ቢሮ ብሓባር ብምኻን ፍርያት ሃገር ብዝኾነ ምግቢ ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዜ ተምሃራይ ክምገብ እናገበረ ዝርከብ ትካል እዩ። ብተመሳሰሊ ንዝተፈላለዩ ዕጉማት መራሕቲ ስድራ ናይ ምግቢ እታወትን መድሓኒትን ናዉቲ መድሓኒትን ከምኡ እዉን ካልኦት ናይ ሕርሻ እታወታትን እናባፅሐ ዝፀንሐን ዘሎን ትካል እዩ። በዚ መሰረት ድማ ትካልና ካብ ዝተፈላለዩ ፕሮጀክት ብዝተረኸበ ሓገዝ
1. ናይ ነዳዲ ሞተር ሳይክል ከምኡ እዉን ናይ ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ስለዝደለየ በቲ ዝተጠቀሰ ዘርፊ ሕጋዉያን መቕረብቲ ዝኾንኩም ሰነድ ጨረታ ካብ ዕለት 15 /09 /2026 ኣ/ፈ ክሳብ ዕለት 17 /09/ 2026 ኣ/ፈ ስዓት 8:30 ድሕሪ ስዓት ኣብ ዘሎ ግዜ ካብ ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ ትግራይ መተሓባበሪ ቤት ፅሕፈት ክ/ከተማ ዓዲ ሓቂ ጥቓ ዓይኒ ሕክምና ክትወስዱ ትኸእሉ።
✓ ፕሮፎርማ ዝዕፀወሉ ዕለት 17/09/ 2026 ስዓት 8:30 ድሕሪ ቐትሪ ዝኸፈተሉ ዕለት ድማ 17 /09/ 2026 ስዓት 9:00 ድሕሪ ስዓት ይኸዉን
መብርሂ፤ ኣብ ጨረታ ክሳተፍ ዝኽእል ሓዱሽ ቅብሊት ካብ ብርሃንና ሰላም ማተምያ ዘሐተመ ወይ ካሽ ረጅስተር መሽን ዘለዎ ጥራሕ ክኸዉን ኣለዎ
ምስ ሰላምታ