⚡ ፈጣን የአይአይ ማጠቃለያ
* ተጫረቲ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ፣ ናይ ንግዲ ምዝገባ፣ ግብሪ ከፋሊ መፍለይ ቁፅሪ (TIN)፣ ናይ ውልቀ መታወቅያ ወይ ናይ ማሕበራት ሕጋዊ ሰውነትን መተሓዳደሪ ደንብን ከቕርቡ ኣለዎም።
* መኽበሪ ጨረታ ብ CPO ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ጥራሕ ክቕረብ ይግበኦ።
* ጨረታ ዕለት 15/01/2019 ዓ/ም ሰዓት 8፡30 ድሕሪ ሰዓት ተዓፅዩ፣ በቲ ዕለት ሰዓት 9፡00 ድሕሪ ሰዓት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለውሉ ይኸፈት።
ንሳልሳይ ጊዜ ዝወፀ ምልክታ ግልፂ ጨረታ
ቢሮ ፋይናንስን ምትሕብባር ሃፍትን ብመሰረት ደንቢ ቁፅሪ 23/2018 ዓ/ም ን ነዚ ደንቢ መፈፀሚ ዝወፀ መምርሒ ኣፈፃፅማ መሸጣ መንግስታዊ ኣባይቲ መምርሒ ቁፅሪ 25/2018 ዓ/ም ን ንሓርበኛታት ጉዳኣት ኹናት መሕከሚ፣ ንተመዛበልቲ ወገናት ናብ መረበቶም ንምምላስን ሕዉየትን ዳግመ ህንፀትን ትግራይ ንምክያድን ዘድሊ ሃፍቲ ንምትእኽካብ ኣብ ትሕቲ ኤጀንሲ ልምዓትን ምምሕዳር ኣባይቲ ክልል ትግራይ ኣብ ክፍለ ከተማ ሰሜን 2 ብድምር 9 ንድርጅት ኣብ ከተማ መቐለ ክፍለ ከተማ ቀዳማይ ወያነ 7 ግልጋሎት ዝዉዕሉ ንመሸጣ ዝቐረቡ ኣባይቲ ምስ ምሉእ ትሕዝቶ መሬት ንምግዛእ ድሌት ዘለዎም ውልቀ ሰባት ፣ ውልቀ ነጋዶ ፣ ግዝያዊ ሽርክና ማሕበር (Joint Venture) ፣ ሕጋውያን ማሕበራት ፣ ናይ መንግስቲ ትካላት ልምዓትን ትካላት ንግድን ንክወዳደሩ ይዕድም ፡፡ በዚ መሰረት፣
ተጫራቲ ንሓደ ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ ብር 20,000.00 / ዒስራ ሽሕ / ብሽም ቢሮ ፋይናንስን ምትሕብባር ሃፍትን ናብ ዝተኸፈተ ባንኪ ሒሳብ ቑፅሪ 1000539031663 ኣታዊ ብምግባር ናይ ባንኪ ስሊፕ ሒዞም ና ቢሮ ፋይናንስን ምምሕዳር ሃፍትን ክልል ትግራይ ቢሮ ቑፅሪ 2-09 ብምምፃእ ካብ ሶኒ ክሳብ ዓርቢ ቅድ - ሰዓት 2፡30-6፡00 ድሕሪ ሰዓት ካብ ሰዓት 8፡00-10፡30 ኣብ ዘሎ ግዘ ካብ 05/01/2019 ዓ/ም ክሳብ 14/01/2019 ዓ/ም ተኸታታሊ መዓልቲ ሰነድ ጨረታ ክገዝኡ ይኽእሉ እዮም ፣
2 ብሽም ውልቀ ነጋዳይ ፣ ድርጅት /ትካል/ ፣ ሓ/ዝተ/ውል/ማሕበር ወይ ሕብረት ሽርክና ማሕበር ንዝወዳደሩ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ፣ ንግዲ ምዝገባ ምስክር ወረቐት ፣ ግብሪ ከፋሊ መፍለይ ቁፅሪ /TIN/፣ ብመሰረት መጣየሺ ፅሑፍ ወይ መተሓዳደሪ ደንቢ እቲ ትካል ዝተውሃቦ ስልጣን የቕርቡ ፣
3. ብውልቀ ኣብ ጨረታ ክሳተፉ ድሌት ዘለዎ ተጫረቲ መንነት መረጋገፂ መታወቅያ
4. ብማሕበር ንዝወዳደሩ ድማ ሕጋዊ ሰውነትን መተሓዳደሪ ደንብን የቕርቡ፣
5. ተጫረቲ ንዝጫረትሉ መሬት /ገዛ/ ዝተቐመጠ መበገሲ ዋጋ ብዘለዎ ጠቕላላ ስፍሓት ካሬ ብ% ብምብዛሕ መኽበሪ ጨረታ CPO ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ጥራሕ ከቕርቡ ዝኽእሉ ፣
6. ጨረታ ዕለት 15/01/2019 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 8፡30 ድ/ሰዓት ተዓፅዩ በቲ ዕለት ስዓት 9፡00 ድ/ሰዓት ኣብ ቢሮ ፋይናንስን ምትሕብባር ሃፍትን ክልል ትግራይ ጨረታ ንምኽፋት ኣብ ዝጥዕም ግልፂ ኣዳራሽ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለውሉ ዝኸፈት ይኸውን ፣
7. በሮ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ወይ ብኽፋል ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ ።
8 ንዝበለፀ ሓበሬታ ቢሮ ፋይናንስን ምትሕብባር ሃፍትን ክልል ትግራይ ቢሮ ቑፅሪ 2-09 ብኣካል ብምምፃእ ምሕታት ዝከኣል ምዃኑ ንሕብር ::
ምስ ሰላምታ
ቢሮ ፋይናንስን ምትሕብባር ሃፍትን ክልል ትግራይ