⚡ ፈጣን የአይአይ ማጠቃለያ
* ናይ ጨረታ ሰነድ ዘይመልስ 100 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ደጋፊ ከይዲ ስራሕን ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ማእከል ቤት ህንፀት ዓብይ ዓዲ ምወሰድ ይካኣል።
* ተጫረቲ መከበሪ ጨረታ (Bid Bond) ዝምለስ 30,000 ብር ብጥረ ገንዘብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ (CPO) ከትሕዙ ኣለዎም።
* ጨረታ ካብ 21/12/2018 ዓ.ም ክሳብ 08/01/2019 ዓ.ም ኣብ ኣየር ዝፀንሕ ኮይኑ፣ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 3:30 ረፋድ ተዓፅዩ ብሰዓት 4:00 ቅድሚ ሰዓት ይኸፈት።
* ዝሰዓረ ተጫራታይ ጨረታ ካብ ዝሰዓረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 5 ናይ ስራሕ መዓልቲ ሕጋዊ ውዕሊ ኣሲሩ 10% መከበሪ ውዕል ብምክትሓዝ ኣገልግሎት ምቕራብ ክጅምር ዝኽእል።
1 በቲ ዘፈር ሕጋዊ ፍቃድ ንግድን ዘለዎን ኣብ ናይ መቅረብቲ ዝርዝር ዝተመዝገበን
2 ተጫረቲ ተወሳኪ እሴት ታክስ ማለት እዉን ቫት ዝተመዝገቡ ምካኖም መረዳእታ ከቅረቡ ዝክእሉ
3 ናይ ከፋላ ግብሪ መለለይ ቁፅሪ ከቅርቡ ዝክእሉ
4 ተጫረቲ ግብሪ 2018 ዓም ዝከፈሉን ፍቃድ ንግዲ 2018 ዓም ዝሐደሱን ናይ ወርሒ ሓምለ 2018 ዓም ሒሳብ ዝከፈሉ ምካኖም መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ
5 ተጫረቲ ዝጫረትሉ መወዳደሪ ዋጋ ብዘይስርዝ ድልዝ መሊኡም ብንፁር ሽምን ኣድራሻን ፊርማን ማህተምን ገይሮም ብዝተዓሸገ ፖስታ ካብ ደጋፊ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ማእከል ቤት ህንፀት ዓብ ዓዲ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ከእትዉ ዝክእሉ
6 ዝሰዓረ ተጫራታይ ጨረታ ካብ ዝሰዓረ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 5 ናይ ስራሕ መዓልቲ ሕጋዊ ዉዕሊ ኣሲሩ መከበሪ ዉዕሊ 10 ሚእታዊ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዝ ዝክእልን ብተወሳኪ እዉን ብናይ ባዕሉ ንብረት መሳርሒ ክምግብ ዝክእል
7 ተጫረቲ ንሐደ ተሃናፃይ ምስ ቫቱ ንመዓልቲ ብሒሳብ 98.10 ብር ንወርሒ ብሒሳብ 2943 ብር ምካኑ ፈሊጦም ክወዳደሩ አለዎም
8 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ዘይመለስ 100 ቅርሺ እናከፈሉ ካብ ደጋፊ ከይዲ ስራሕን ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ማእከል ቤት ህንፀት ዓብይ ዓዲ ምዉሳድ ይክእሉ
9 ካብ 21/12/2018 ዓም ክሳብ 8/1/2019 ዓም ኣብ አየር ዝፀንሕ ኮይኑ ረፋደ ሰዓት 3:30 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት 4:00 ቅድሚ ሰዓት ይክፈት
10 ተጫረቲ መከበሪ ጨረታ ዝምለስ 30000 ቅርሺ ብምክፋል ብጥረ ገንዘብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ብስፒኦ ከትሕዙ አለዎም
11 ተጫረቲ በዘይኣገባብ ጨረታ ንምዝባዕ ዝፈተኑ ስጉምቲ ንወስድ ምኮና ከምእዉን ዘትሓዝዎ መከበሪ ገንዘብ ጨረታ ዝዉረስ ምካኑ ክፈልጡ አለዎም
12 ተጫረቲ ኣብቶም ዝወዳደሩ ዝርዝር ቀረባት እቲ ናይ መንግስቲ ዘቀመጦ መዓቀኒ ከም ዘሎ ኮይኑ አብ ስጋ ዝምልከተ ኣብ ወርሒ ሐደ ግዜ ክልተ ሚኢቲ ግራም ብዘይ ዓፅሚ ንሐደ ተሃናፃይ መዓቀኒ ዝሕረደሉ ግዜ መጠን ግራምን ክወዳደሩ ይክእሉ እዩም
13 ብተወሳኪ ኣብ ዓይነት ቀረብ 40 ሚእታዊ ሰርጊን ጣፍን 60 ሚእታዊ ከባቢያዊ እክል ዝብል ስታንዳርድ ናይ ከባባያዊ እክሊ ብምቅናስ ክሳብ ሚኢቲ ሚእታዊ ሰርጌን ጣፍ ወይድማ ፃዕዳ ጣፍ ክወዳደሩ ይክእሉ
14 ብተወሳኪ ንቁርሲ ካብ ፊኖ ወይ ስርናይ ዝተጋገረ 200 ግራም ባኒ ዝብል ክሳብ ሚእቲ ሚእታዊ ፊኖ ክወዳደሩ ይክእሉ እዩም
15 ኣብ ሽኮር 20 ግራም ንሐደ ተሃናፃይ ኣብ ቁርሲ እዋን ዝብል ግራም ወሲኮም ክወዳዱ ይክእሉ
16 ካብቶም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቀሱ ቀረባት ወፃኢ ዘሎ ግና እቲ መንግስቲ ዘቀመጦ መዓቀኒ እኩል ስለዝኮነ ኣበዚ ዝግበር ወሰከ ከምወዳደሪ ዘይንጥቀመሉ ምኮና ክትፈልጡ ይግባእ
17 ተጫረቲ ግልፂ ኣብ ዘይኮነሎም ብኣካል መፂኦም ወይ እዉን ብቁፅሪ ስልኪ 0942253841 0975068602 ደዊሎም ሐበረታ ምሕታት ይክእሉ
18 ኣብ እዋን ጨረታ ምርኣይ ጨረታ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ክርከቡ አለዎም
19 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም በዘይምርካቦም ጨረታ ምክፋት ኣይተኣጎጎልን
20 ትካልና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ሙለእ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ