⚡ ፈጣን የአይአይ ማጠቃለያ
* ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 300 ብር ብምኽፋል ካብ መቐለ ዋና ቤት ፅሕፈት ቢሮ ቁፅሪ 212 ምውሳድ ዝኸኣል ኮይኑ፣ ናይ ጨረታ መኽበሪ ውሕስና (CPO) ብር 30,000 ብሽም እቲ ትካል ከትሕዙ ይግባእ።
* እቲ ጨረታ ካብ ዕለት 20/12/2018 ዓ/ም ክሳብ 27/12/2018 ዓ/ም ኣብ ኣየር ዝፀንሕ ኮይኑ፣ ኣብ ዕለት 27/12/2018 ዓ/ም ሰዓት 3:30 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4:00 ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ቢሮ ቁፅሪ 212 ይኸፈት።
* ዝሰዓረ ተጫራታይ ስራሕ ምሰዓሩ ምስ ተነገሮ ኣብ ውሽጢ 3 መዓልቲ ናይ 10% CPO ብምትሓዝ ውዕሊ ኣሲሩ፣ እቲ ንብረት ኣብ ውሽጢ 5 ናይ ስራሕ መዓልቲ ምስ ናይ 1 ዓመት ውሕስና (ዋራንቲ) ከረክብ ኣለዎ።
ምልክታ ግልፂ ጨረታ ኤሌክትሮኒክስ
ዋሕስ ናይ ገዛ ቁጠባን ህንፀትን ኣ/ማ ዝተፈላለዩ ኮምፕዩተራትን ተዛመድቲ ኣቁሑትን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለ ዝደለየ ነቲ ዝተቀመጠ ረቋሕታት እተማልኡ ሕጋውያን ነጋዶ ንክትወዳደሩ ይዕድም፤
ክማልኡ ዝግብኦም ረቋሕታት
1. ተጫረትቲ በቲ ዘርፊ ናይ 2018 ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ስራሕ ፍቃድ ፣ናይ ቫት ተመዝገብቲ መረጋገፂ ምስክር ወረቀት፣ናይ ግብሪ ከፋሊ ምስክር ወረቀት(II) ፣ ኣብ ናይ መንግስቲ መቅረባይነት ዝርዝር ዝተመዝገቡ ምዃኖም ምስክር ወረቀት ኮፒ ጌሮም ከቅርቡ ዝኸእሉ፤፣
2. ተጫረትቲ ብር 30,000 (ሳላሳ ሽሕ) ናይ ጨረታ መኽበሪ ውሕስና ካብ ዝተፈለጠ ባንኪ ናይ ክፍሊት መአዘዚ(cpo) ብሽም ዋሕስ ናይ ገዛ ቁጠባን ህንፀትን ኣ/ማ ከትሕዙ ዝኽእሉ:
3. ተጫረቲ ሓደ ኦርጅናልን ሓደ ኮፒን ዶክመንት ኣብ ዝተፋላለየ (ነንበይኑ) ፖስታ ብምዕሻግ ድሕሪኡ ኣብ ሓደ ዓብይ ፖስታ ዓሽጎም ብምቅራብ ናይ ድርጅቶም ማህተም ኣብ ሕድሕድ ሰነድ ጨረታ ብንፁር ብምግባር ከቅርቡ ኣለዎም።
4. ተጫረቲ ዋጋ ካብ ናይ ባዕልና ሰነድ ጨረታ ወፃኢ ምምላእ ኣይከኣልን፤
5. ተጫረትቲ ዘይምለስ ብር 300.00 (ሰለስተ ሚኢቲ) ብምኽፋል ሰነድ ጨረታ ካብ መቐለ ዋና ቤት ፅሕፈት ዋሕስ ናይ ገዛ ቁጠባን ህንፀትን ኣ/ማ ቢሮ ቁዕሪ: - 212 ክፍሊ ዕደጋን ፋይናንስን ምውሳድ ይኸእሉ።
6. ዝሰዓረ ተጫራታይ ሰዓራይነቱ ምስ ተነገሮ ካብ ዝሰዓሮ ጠቅላላ ዋጋ 10% (ዓሰርተ ፐርሰንት) መኽበሪ ውዕሊ ካብ ዝተፈለጠ ባንኪ ናይ ክፍሊት መአዘዚ (cpo) ብሽም ዋሕስ ናይ ገዛ ቁጠባን ህንፀትን ኣ/ማ ኣትሒዙ ኣብ ውሽጢ 3 መዓልቲ ዉዕሊ ክኣስር ዝኽእል፤
7. ዝሰዓረ ተጫራቲ ዝሰዓሮ ንብረት በቲ ዘቅረብናዮ ስፐስፊኬሽን መሰረት ኣብ ውሽጢ 5 ናይ ስራሕ መዓልቲ ናብ ትካልና ዋና ቢሮ ብናይ ባዕሉ መጓዓዓዚ መፅዓንን መራገፍን ሓዊሱ ከረክብ ዝክእል።
8. እቲ ጨረታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት 20/12/2018 ክሳብ 27/12/2018 ዓ/ም ኣብ ኣየር ዝፀንሕ ኮይኑ ሳዕን ጨረታ ዕለት 27/12/2018 ዓ/ም ሰዓት 3:30 ቅድሚ ቀትሪ ተዓዕዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4:00 ቅድሚ ቀትሪ ተጫረትቲ ወይ ሕጋውያን ወኪላቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ትካልና ቢሮ ቁፅሪ-212 ይኸፈት:
9. ትካልና ካብ ብር 20,000 ን ልዕሊኡን ንዝግበር ናይ ንብረት ካብ ብር 10000 ን ልዕሊኡን ንዝግበር ናይ ግልጋሎት ዕድጊታት 3%(withholding tax) ትካልና ባዕሉ ዝእክብ ምኻኑ ዝኾነ መቅረባይ ኣፍልጦ ከህልዎ ይግባእ፤ናይ ጨረታ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ ግዜ 15 መዓልቲ እዩ፤
10. ሰዓራይ ተጫራቲ ንዘቅርቦ ንብረት ናይ ሓደ ዓመት ውሕስና ብፅሑፍ ን ትካልና ይህብ
11. ትካልና ብድሌቱ ክሳብ 20% መጠን እቲ ጨረታ ክዉስኸ ወይ ክቕንስ ይኽእል፤
12 ትካልና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እዚ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብኽና ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉው እዩ።
ምስ ሰላምታ
ኣድራሻና: -መቐለ ኣብ ሮማናት ኣደባባይ ባንኪ ኣቢሲንያ ዝርከበሉ ህንፃ 3 ደብሪ ንርከብ
ሞባልይ ቁፅሪ 0967568418, 0914766793+251938000111