የሽረ እንዳስላሰ ከተማ እቅድና ፋይናንስ ጽህፈት ቤት

ብባዓል ሃፈቲ ዝሸፈን ዝርዝር ስራሕ ቀሊል ሰርቪስ ከቢድ ሰርቪስ ዘይቲ ምቅያር እንትከዉን ሽፈርን ነዳዲ ካብ መንግስቲ ዝሽፈን ኮይኑ ኣብ ከይዲ ስራሕ እናሀለወ ንዘቃደመ ሐደጋ መንግስቲ ወይ ብዝተካረዩ ቤት ፅሕፈት ዝሸፈን ኮይኑ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲርና መኪና ክንካረይ ንደሊ

  • ናይ 2018 ን2019 ዓም ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ ዘለዎም ቅዳሕ ገይሩ አታሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል
  • ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለይ ቲን ናምበር ዘለዎም ቅዳሕ ገይሩ አታሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል
  • ናይ 2018 ዓም ን 2019 ዓም ዝተሐደሰ መቅረባይነት ቅዳሕ ገይሩ አታሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል
  • ናይ 2018 ዓም ን 2019 ዓም ዝተሐደሰ ዝተሐደሰ ከላዉዶን ሕጋዊ ሌብሬን ከቅርብ ዝክእል
  • እታ መኪና መዴላ ካብ 2010 ኣቆፃፅራ አዉሮፓዊያን ንድሕሪት ክክዉን ይግባእ ካብዚ ንቅድሚት ዝኮነት መኪና ተቀባልነት የብላን
  • ተጫረቲ ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ምስክር ወረቀት ቅዳሕ ከቅርብ ተጫረቲ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዋጋ ሐዊሶም ክመልእ አለዎም ተወሳኪ እሴት ታክስ እንተዘይ ሐዊሶም ተወሳኪ እሴት ታክስ ሓዊስኩም ከምዝመለአኩም ተገይሩ ይሕሰብ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዘይብሉ እዉን ክወዳደረ ይክእል እዩ
  • ናይ ወርሒ ሰነ 2018 ዓም ተወሳኪ እሴት ታክስ ዲክለር ቅዳሕ ገይሩ አታሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል
  • ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 7/12/2018 ዓም ክሳብ 29/12/2018 ዓም ናይ ስራሕ መዓልቲታት ኣብ ዘሎ እዋን ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ንብረትን ምምሕዳር ከተማ ሽረ እንዳስላሴ ቀበሌ 03 ኣብ ዉሽጢ ኣዳራሽ ሃፈቶም ዝርከብ ቤት ፅሕፈት ብምምፃእ ዘይምለስ 500 እናድካፈልኩም ክሳብ 29/12/2018 ዓም ሰዓት 3:00 ክትወስዱ ትክእሉ
  • እቲ ጨረታ ዕለት 29/12/2018 ዓም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:30 ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት
  • ጨረታ ሰነድ በቲ ኣብ ምልክታ ዝተገለፀ መሰረት አማላኡ እንተተረኪቡ ብዘየለዉሉ እዉን እንተኮነ ንምክፋት ዝዓግት ነገር የለን
  • ናይ ጨረታ መከበሪ ናይ መኪና ኪራይ 30000 ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይ ድማ ብስፒኦ ከትሕዝ ዝክእል
  • ኣብዚ ጨረታ ሰዓራይ ምካኖም ምስተገለፀሎም በቲ መምርሒ መሰረት ዉዕሊ ክኣስሩን መኪና ከቅርቡን ዝክእል
  • ሰነድ ጨረታ ብንፁር ዝንበብን ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ናይ ባዕሎም ክታም ማህተምን ኣብ ሕድሕድ ገፅ ብምግባር ብፖስታ ዓሺጎም ከቅርቡ ይግባእ ስርዝ ድልዝ ዘለዎ ተቀባልነት ከምዘይብሉ ንግልፅ
  • ቤት ፅሐፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ