የወዛም መንደር ጨርቃጨርቅ ማህበር

ዕለት 01/12/2018

ንካልኣይ ግዜ ምልክታ ጨረታ

ወዛም ዓለባ ዓዲ ማ/ር ህንፀት ማእከል ዕዳጋ ካብ ሓምለ -1/2017 ዓ.ም ክሳብ ሰነ- 30/2018 (ሓደ ዓመት) ብናይ ደገ ኦዲተር ኦዲት ክነግብር ስለ ዝደለና ተጫረትቲ ንዕድም፦

ተጫረትቲ ከማልእዎ ዝግባእ ረቛሒ

1- ሕጋዊ ናይ ኦዲተርነት ፍቃድ ዘለዎ

2- ናይ 2018 ዓ.ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ኮፒ ከቅርብ ዝክእል

3- ኣብ ማሕበራት ኦዲት ጌሩ ዝፈልጥ ተኮይኑ መረጋገፂ ድጋፍ ኮፒ ኣተሓሒዙ ዘቅርብ

4- ጨረታ ፃውዒት ኣብ ኣየር ዝፀንሓሉ ካብ ዕለት ነሓሰ 02-07/2018።

5- ተጫረትቲ ናይ ጨረታ ሰነዶም ምስ ዘይምለስ ኮፒ ብፖስታ ተዓሺጉ ዕለት 07/12/2018 ካብ ስዓት 7:00 ድ/ስዓት ክሳብ ስዓት 9፡00 ድ/ስዓት ኣብ ግዘ ናብ ዝተዳለወ ጨረታ ሳንዱቅ ኣታዊ ይገብሩ።

6- ሰዓራይ ዕለት 08/12/2018 ውዕል ብምእሳር ክሳብ ዕለት 15/12/2018 ኣጠቃሊሉ ሰሪሑ ከረክብ ዝክእል

7- ማሕበር ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ በዚ ረታ ኣይግደድን

8- ኣባልና ናብ ባንኪ ጥራሕ ኣታዊ ብምግባር ዝግበር ምንቅስቃስ እንትኮን፤ ድሕሪ እዚ ናብ ማሕበር እናቀረቡ ናይ ኣታዊ ደረሰይ ዝቆርፅ እካ እንተኮነ ብርክት ዝበለ ግና ኣታዊ ደረሰኝ ዘየቁርፅ ብምህላዉ ነዚ ምግንዛብን ብዋናነት ግና በቲ ናይ ባንኪ ስተትመንት መሰረት ይካየድ

9- ናይ ዝወፁ ኣባላት ክሳብ ዝነበርዋ እዋን ናይ ዘለዉ ድማ ኣታዊ ብዝገበርዎ መሰረት ዝበፅሕዎ ካፒታል ብናይ ባንኪ ወለድ መሰረት ክሳብ ሰነ -30/2018 ናይ ሕድሕድ ምቅማጥ፣

10- ኣብ ሕሉፍ ኦዲት ሰነ-2017 ዝተቀመጠ ናይ ሕድሕድ ኣባል ምስ ናይዚ ዓመት ብምጥማር ኣብ ናይ ሕድሕድ ኣባል ደብተር ምቅማጥ

11- ኣጠቃላሊ ናይ ማሕበር ኣታዊን ወፃኢን ምምርማር