⚡ ፈጣን የአይአይ ማጠቃለያ
ዕለት 20/11/2018 ዓ/ም
ምልክታ ግልፂ ጨረታ
ኣብ ርእሰ ዋኒኑ ከምዝተገለፀ ቢሮ ጉዳያት ኮሙኒኬሽን ትግራይ ናይ 2019 ዓ.ም በጀት ንናይ ቢሮና ግልጋሎት ዝውዕል ምሕታም መቓልሕ ጋዜጣ ብግልፂ ጨረታ ከወዳድር ይደሊ፡፡
1. ጨ.ቑ ቢ.ጉ.ኮ/ሕት - 01/2019 ናይ መቓልሕ ጋዜጣ ሕትመት
በዚ መሰረት ኣብዚ ጨረታ ክትሳተፉ እትደልዩ ተወዳደርቲ እተማልእዎ ሮቑሒ፡-
1. ናይ ዘመን እዚ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ቫት ተመዝገብቲን ናይ መወዳእታ ወርሒ ቫት ሪፖርት መፍለይ ቑፅሪT፣ኣብ ዝርዝር መቕረብቲ ዝተመዝገቡ ምኻኖም መረዳእታ /መቅረባይነት/ከቅርቡ ዝክእሉን ኣብቲ ሰነድ ጨረታ ብዝተቀመጠ ዝርዝር መዐቀኒታት
ዘማልኡን
2. መኽበሪ ጨረታ፡
➢ መቓልሕ ጋዜጣ ብር 16,000.00/ዓሰርተ ሽድሽተ ሽሕ ብር/ ብባንኪ ዝተረጋገፀ መእዘዚ ክፍሊት ዘእተውሉ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ C.P.O ከትሕዙ ዝኽእሉ
3. ዋጋ ሰነድ ጨረታ፡-
ዘይምለስ ብር 100.00/ሓደ ሚኢቲ ብር/ ብምኸፋል ጨረታ ሰነድ ካብ ቢሮ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ክልል ትግራይ ዳሬክቶሬት ዕደጋን ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ቢሮ ቑፅሪ 8 ንተኸታታሊ ካብ ዕለት 20/11/2018 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 04/12/2018ዓ.ም ኣብ ዘሎ ናይ ስራሕ ጊዜ መፂኹም ምግዛእን ንኡ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ናይ ጨረታ ሰነድ ምእታው ትክእሉ፣
4. ጨረታ ዝዕፀወሉን ዝኸፈተሉን ዕለት
4.1. ዕለት 04/12/2018 ዓ.ም ስዓት 8:30 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 9:00 ተጫረቲ ወይም ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ልዕል ኢሉ ኣብ ዝተጠቀሰ ኣድራሻ ብግልፂ ይኸፈት፣
5. ቢሮና ነቲ ዘውፀኦ ጨረታ ከም ኣድላይነቱ 20% ናይ ምውሳኸ ወይም ናይ ምቕናስ መሰሉ ዝተሓለወ'ዩ፣
6. ኣብዚ ጨረታ ሰዓራይ ዝኮነ ትካል ካብ ዘሸነፎ ጠቅላላ ዋጋ 10% አትሒዙ ውዕሊ ዝኣስርን
7. ስዓራይ ብቲ ዝወፀ ስፐሲፊከሽን መሰረት ፅሬቱ ብዝምልከቶም ኣካላት ምስተረጋገፁ ኣብቲ ዝድለየሉ እዋን ብናይ ባዕሉ ትራንስፖርት ናብ ቤት ፅ/ትና ኣታዊ ይገብር፣
8. እዚ ጨረታ ፀኒዑ ዝፀንሉ ግዜ ጨረታ ካብ ዝተኸፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን15 መዓልቲ ይኸውን፡፡
9. ዝቐርብ ሰነድ ጨረታ ሓደ ኦርጅናልን ኣብ ኩሉ ገፅ ናይቲ ትካል ማሕተም ዝዓረፎን ሓደ ኮፒን ይኸውን
10. ቢሮና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብክፋል ይኹን ብሙሉእ እቲ ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ'ዩ፣
11. ንዝበለፀ ሓበሬታ፡- ቢሮና ዝርከበሉ ኣድራሻ ፊትለፊት ኣግኣዚ ባንኪ ጎኒ ዘዮርዳኖስ ሆቴል ስ.ቑ 0344409343 / 0914734003 ወይ 0914766550/ ደዊልካ ምሕታት ይከኣል'ዩ፡፡
ቢሮ ጉዳያት ኮሙኒኬሽን ትግራይ