⚡ ፈጣን የአይአይ ማጠቃለያ
Here is a clear and concise summary of the
ግልፂ ጨረታ፤
ማእኸል ቤት ህንፀት ሽረ ኣብ ውሽጡ ንዝርከቡ ህንፅቲ ሕጊ ንሓደ ዓመትን በጀት ዓመት 2019 ዓመተ ምህረት ኣገልግሎት ቀረብ ምግቢ ያቅሪቦም ብናይ ባዕሎም ኣብሲሎም ክምግቡ ዝኽእሉ ሕጋውያን ነጋዶ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ንስዓረ ነጋዳይ ክህብ ስለዝደለየ፣ ኣብቲ ዝወፀ ፃውዒት ግልፂ ጨረታ ክትጫረቱ እትደልዩ ሕጋውያን ነጋዶ ብኽብሪ ዕድም።
ማእረብቲ ወይ ድማ ተወዳደርቲ ከማልእዎም ዝግባእ ረቛሒታት፡
- ኣብቲ ጨረታ ዝወዳደሩ በቲ ዘፈር ዝምልከቶም አካላት ብኣገልግሎት ሬስቶራንት ማለት ምግብና ወረቐት ምስክር ማእረባይነት ዘለኩም 2018 ወይ 2019 ዓመተ ምህረት ዝታደሰ ሕጋዊ ፍቓድ ንግዲ፣ መለለዪ ቑፅሪ ከፋላይነት ግብሪ፣ ወረቐት ተመዝጋባይነት ተወሳኺ እሴት ተራክስ ምስ ዋና ኣታሒዞም ብምቕራብ ንነፍሲ ወከፎም ዘይመለስ ቅዳሕ ገይሮም ከቕርቡ ዝኽእሉ።
- ኣብቲ ጨረታ ዝወዳደሩ ተጫረቲ ተመዝገብቲ ተወሳኺ እሴት ታክስ ወይ ካብ ተወሳኺ እሴት ታክስ ነፃ ምዃኖም ምስ ተወሳኺ እሴት ታክስ ዘለዎም ክወዳደሩ ዝኽእሉሉ ካብ ዝምልከቶ አካል ሕጋዊ መረዳእታ ዋና ዘይመለስ ቅዳሕ ገይሮም ከቕርቡ ዝኽእሉ።
- ናይ ወርሒ ሰነ 2018 ዓመተ ምህረት ልዕሊኡን ሒሳብ ዘፍለጡሉ መረዳእታ ኣታዊ ዝገበሩሉ ከቕርቡ ዝኽእሉ።
- ጨረታ መክበሪ ቅድሚ ጨረታ ምኽፋቱ ብባንኪ ዝተረጋገፀ CPO ወይ ብጥሬ ገንዘብ 100,000 (ሓደ ሚኢቲ ሽሕ) ብር ክትሕዙ ዝኽእሉ።
- መወዳደሪ ሰነድ ስር ዝድሊ ዘይብሉ እቲ ቤት ፅሕፈት ዘዳለዎ ሰነድ ጨረታ ጥራሕ መሊኡ ከቕርብ ዝኽእልን፣ ከምኡውን ምስ ፍቓድ ንግዱ ዝመሳሰል ማህተም፣ ናይ ተወዳዳሪ ሙሉእ ስምን ኣድራሻን ፌርማ ኣማሊኡ ነዚ ጨረታ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ጨረታ ኣብ ደጋፊ ኸይዲ ስራሕ ዕደጋ ንብረትን ምምሕዳር ፋይናንስን ማእኸል ቤት ህንፀት ሽረ ቢሮ ቑፅሪ 6 ብፖስታ ብምዕሻግ ክኣትዉ ትኽእሉ።
- ሰነድ ጨረታ ዝሽየጠሉ ካብ 19 ሓምለ 2018 ዓመተ ምህረት ክሳብ 04 ነሓሰ 2018 ዓመተ ምህረት ኣብ ዘሎ ጊዜ ናይ ስራሕ ሰዓታት ዘይመለስ 400 (ኣርባዕተ ሚኢቲ) ብር ናኸፈልኩም ካብ ደጋፊ ኸይዲ ስራሕ ዕደጋ ንብረትን ምምሕዳር ፋይናንስን ማእኸል ቤት ህንፀት ሽረ ቢሮ ቑፅሪ 6 ኣብ ስራሕ ሰዓታት እጠናኸድኩም ክትወስዱ ትኽእሉ ምዃንኩም የሓብር።
- ሳንዱቕ ጨረታ ዝዓሸገሉ 04 ነሓሰ 2018 ዓመተ ምህረት ሰዓት 04:15 ናይ ንጉሆ ይኸውን።
- ጨረታ ዝኽፈተሉ 04 ነሓሰ 2018 ዓመተ ምህረት ሰዓት 04:35 ናይ ንጉሆ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸቡሉ ይኽፈት። እንተዘይቀረቡውን ኸይዲ ጨረታ ካብ ምኽፋት ኸይታጉለል ዘየለዉውን ዝርኣ ምዃኑ ዝቐረበ ፖስታ ዘይተኸፈተ ዝመለስ ኣይሁልን።
- ተጫሪቱ ዝስዓረ ነጋዳይ ድሕሪ መስመዒ ይቕርታ 3 (ሰለስተ) መዓልቲ ኣብ ውሽጢ 3 (ሰለስተ) መዓልቲ ናይ ስራሕ ጊዜ ወፂኡ በቲ ዝስዓረሉ ውዕሊ መክበሪ 360,000 (ሰለስተ ሚኢትን ሱሳን ሽሕ) ብር ብጥሬ ገንዘብ ኣትሒዙ ክኣስር ዝኽእል ምዃኑ ፈሊጡ ዝወዳደር።
- ስዓራይ ዝኾነ ነጋዳይ ናይዚ ዘቕርቦ ኣገልግሎት ምግቢ ኣብ ዝኽፈሉሉ እዋን ልዕሊ 10,000 (ዓሰርተ ሽሕ) ብር እንተኾይኑ 3% (ሰለስተ ሚኢታዊ) ዝኾነ ታክስ ተቖኒሱ ዝኽፈል ምዃኑ ፈሊጡ ክወዳደር ዝኽእል።
- ተወዳዳርቲ ሱር ኣመጋግባ ደረጃ ማለት ስታንዳርድ ኣብ ዋና ሰነድ ጨረታ ተዘርዚሩ ዝተገለፀ ብምርኣይ ንሓደ ተሓናፂ ንመዓልቲ ንዝቐርብ ቑርሲ፣ ምሳሕን ድራርን በዝሖም ተሪኣዩ ምስ ተወሳኺ እሴት ታክስ ሓዊሱ መኣረባይ ንዘቕርቦ ዝኽፈሎ 98.10 (ተሽዓን ሽሞንተ ብርን ዓሰርተ ሳንቲምን) ብር ምዃኑ ፈሊጡ ዝወዳደር።
- ማይን መብራህትን ኣብ ዝመፃሉ እዋን ካብ ማእኸል ቤት ህንፀት ሽረ ብነፃ ዝጠቀም ኮይኑ ኣብ ዘይመፃሉ እዋን ድማ ብናይ ባዕሉ ወፃኢ ሸፊኑ ስራሕቱ ዝውዕል ግን ምዃኑ ፈሊጡ ዝወዳደር።
- ስዓራይ ጨረታ ዝኾነ ነጋዳይ ኩሉ ዘድሊ ዝስዓሮ ቀረብ ምግቢን ንዓኡ ዘድሊ መሳርሒታትን ከምኡውን ነቲ ምግቢ ዘዳለው ሰራሕተኛታትን ሙሉእ ብሙሉእ ወፃኢ ሸፊኑ ኣብ ውሽጢ እቲ ማእኸል ቤት ህንፀት ዝተዳለወ ናይ ምግቢ ተሓነፅቲ መዳለዊ ቦታ ሰሪሑን ኣብሲሉን ዘቕርብ ምዃኑ ፈሊጡ ዝወዳደር።
- እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ኾነ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መብቱ ዝተሓለወ እዩ።
ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቑፅሪ ስልኪ፡
- 0929264158
- 0914184250
- 0914229028
ደዊልኩም ሕተት ትኽእሉ።
ማእኸል ቤት ህንፀት ሽረ