ቁፅሪ:-ዳ/ዕ/ን/ምም/ርን/16/019
ዕለት:- 10/11/2018 ዓ/ም
ምልክታ ፕሮፎርማ ማይ ብቦቲ ፅዒንካ ምቅራብ
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ዳይሬክተር ፅ/ን/ምም/ርን ካብ መደበኛ በጀት 2019 ኣብ ቀፅሪ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ንሓለዋ ሰራሕተኛ፣ ንፅሬት መሳርሒን ብተወሳኪ ኣብ ቀበሌ 18 ጥቃ ኣዋሽ ንፕሬዚደንት መኖርያ ገዛን ግልጋሎት ዝዉዕል ማይ ብቦቲ ፅዒንካ ንምቅራብ ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክሳብ ሰነ 30/2019 ዓ/ም ዉዕል ብምእሳር ከስርሕ ክግልገል/ ስለዝደለየ ክትወዳደሩ እትደልዩ ተወዳደርቲ /ነጋዶ/ ክተማልእዎም ዝግብኡ ረቋሒታት
✓ ናይቲ ዘርፊ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎምን ናይ 2018/2019 በጀት ዓመት
✓ ዘሐደሱን ሓደ ገፅ ምስ ዋጋ መምልኢ ወረቀት ብሓደ ዓሺጎም ዘቕርቡን፡፡
✓ ናይ ዘርፉ መቕረባይ ሰርቲፊኬት ዘለዎምን ናይ 2018/2019 በጀት ዓመት ዝተሓደሰ፣ ዘለዎምን ዘቕርቡን እንተኮይኖም ይምረፅ፡፡
✓ ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለዪ ቁፅሪ /ቲን ናምበር/ መረዳእታ ከቕርቡ ዝኽእሉ፡፡
✓ ተጫረቲ ኣብ ዘእትዉዎ ፕሮፎርማ ሽም፣ ክታምን ማሕተምን ተገይርሉ ብፖስታ ተዓሺጉ ክቀርብ ኣለዎ፡፡
✓ ፕሮፎርማ ዝወፀሉ ዕለት 10/11/2018 ዓ/ም ይኸውን፡፡
✓ ፕሮፎርማ ዝዕፀወሉ ዕለት 14/11/2018 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 11፡30 እዩ፡፡
✓ ፕሮፎርማ ዕለት 15/11/2018 ዓም ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ዳይ/ዕ/ን/ምም/ርን ቢሮ ቁፅሪ 44 ልክዕ ሰዓት 9፡30 ተዓሺጉ ልክዕ ሰዓት 10፡00 ዝክፈት ይኾን፡፡
✓ ጨረታ ዘሸነፈ ኣሸናፊነቱ ካብ ዝተገለፀሉ መዓልቲ ጀሚሩ ክሳብ ሰነ 30/2019 ዓ/ም ዉዕል ብምእሳር ግልጋሎት ብዝተኣዘዞ መሰረት ኣብ ዝሓፀረ ግዜ ክህብ ዝክእል፡፡ ኣብ ዝመልእዎ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ኣይፍቀድን እንተሃልይዎ ፌርማ ይገበረሉ ካብዙይ ወፃኢ እንተኮይኑ ኣብ ምፅራይ ውድቂ ይግበር፡፡
✓ ቢሮና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብኸፋል ይኹን ብሙሉእ ነቲ ፕሮፎርማ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡
✓ ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 034-440-24-20 ይደውሉ፡፡