ምልክታ ዋጋ መቅረቢ ፕሮፎርማ/ 01
ቤት ፅ/ት ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ መኪና ስፔር ክዕድግ ስለዝደለየ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም ብፕሮፈርማ ኣዋዳዲሩ ግልጋሎት ክረክብ ይደሊ:: በዚ መሰረት እዞም ዝሰዕቡ ረቋሒታት እተማልእ ነጋዲ ክትሳተፉ/ፋ ትኽእሉ/ላ::
መምርሒ ተወዳደርቲ ከማልእዎ ዝግባእ
1. ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለኩም::
2. ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ በቲ ዘርፍ ዘለዎ::
3. ናይ ግብሪ ክፈላይ ብራራ /TI/ ዘለኩም::
4. ናይ መቕረባይነት ምስክር ወረቐት ክቕርብ ዝክእል፣፣
5. ምስ መወዳደራ ዶክመንትኹምን ብምትሕሓዝ ክትወዳደሩ ትኽእሉ ምኳንኩም እናገለፀና መወዳደሪኩም ሸም፡ ኣድራሻን፣ ናይ ትካልኩም
ማህተምን፣ ብምግባር ብሽምዓ ብዝተዓሸገ ፖስታ ካብ ዕለት 06/11/2018ዓ/ም ክሳብ 08/11/2018 ዓ/ም ሰዓት4.00 ክትቕርቡ/ ክትወዳደሩ ትክእሉ::
6. እቲ ፕሮፎርማ ዕለት 08/11/2018 ዓ/ም ሰዓት4፡30ኣብ ቤት ፅ/ት ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ቁፅሪ 08 ይኸፈት::
7. እቲ ዝቐርብ ኣምፑል ፅሬቱ ዝሓለወ ክኸውን ኣለዎ እንተዘይኾይኑ ግን ተቐባልነት የብሉን::
8. አብ ዋጋ መውሃቢ ሰነድ ስርዝ ድልዝን ግልፂን ዘይኾነ ዋጋ ምምላእ ተቐባልነት የብሉን::
9. ካብዚ ዝተሓተተ ንብረት ወፃኢ ብባዕልኻ ዓይነት ቐይርካ ዋጋ ምምላእ ብፍፁም አይፍቀድን::
10. እዚ ሰነድ ጨረታ ፕሮፎርማ እዙይ ኣብ መንጎ ሰዓራይ ትካልን ቤት ፅ/ት ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ከም ሕጋዊ ውዕሊ ኾይኑ ሰለ ዘግልግል እቲ ንብረት አብ ኢዶም ምህላዉ አረጋጊፆም ዋጋ ይምልኡ ::
11. ስለዚ ኣነ በዓል ትካል ነዚ ዝተወዳደርኩሉ ስዓራይ እንተኮይነ ነቲ ቤት ፅሕፈት ብዘይምትእጉጓል ኦርጅናል ዝኮነ ኣቕሓን ብስፈሰፊኬሽን መሰረት ንከቕርብ ሓላፍነት ወሲደ ተሰማሚዔ ኣለኩ ::
12. ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ እዋን እቲ ጨረታ ፕሮፎረማ ተራእዪ ሰዓራይ ካብ ዝተፈለጠሉ መዓልቲ ጀሚሩ ክሳብ 7 ናይ ሰራሕ መዓልቲ ይኸውን::
13. ትካልና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ጨረታ ፕሮፈርማ ብክፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምሰራዝ መሰለ ዝተሓለወ እዩ::
14. ናይ ቤት ፅሕፈትና ቲን ቁፅሪ 00264-4876 ከምዝኮነ ንሕብር::
15. እቲ ሰነድ ኣብ ቤት ፅሕፈትና ቁፅሪ 08 ኣታዊ ትዝበር::
16. ንተወሳኺ ሓብሬታ ብሰልኪ ቁፅሪ - -- 03 44 41 65 70 ሓዱሽ ህንፃ ፊት ንፊት ርእሰ ምምሕዳር ክ/ ትግራይ
| ተ.ቁ | ዓይነት ንብረት | ፓርት ናምበር | ሞዴል መኪና | ታርጋ ቁፅሪ | መዕቀኒ | በዝሒ | ነ/ዋጋ | ጠ/ዋጋ | መብሪሂ |
|---|---|---|---|---|---|---|---|---|---|
| 01 | Water pump | 16100-59255 | LN-166 | 4-00782 | set | 01 | |||
| 02 | በትሪ 70 AM 12V | Exop ባትሪ | ZN-166 | 4-00042 | set | 01 |