የትግራይ ብሔራዊ ክልላዊ መንግስት ቴክኒክና ሙያ ትምህርትና ስልጠና ቢሮ

ቑፅሪRef :ዕፋን/ንብ/ 01/ 1186 /18

ዕለትDate : 18 /10/2018 ዓ.ም

ምልክታ ግልፂ ጨረታ ዝውገዱ ዘገልገሉ ንብረታት

ቢሮ ቴክኒክን ሙያን ትምህርትን ስልጠናን ስራሕ ዕድል ፈጠራን ክልል ትግራይ ዝተፈላለዩ ዘገልገሉ ንብረታት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክሸይጥ ይደሊ

ስለዚ ጨረታ ክትወዳደሩ ትደልዩ ተወዳደርቲ ዝስዕብ ረቋሓ ክተማልኡ ይግባእ

1. ጨረታ ሰዓርቲ እንተኾይንኹም ዝሰዓርክምዎ ንብረት ውዕሊ ካብ ዝኣሰርክምዎ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 10' መዓልቲ ዝሰዓርክምዎ ንብረት ክተልዕሉ ምዃንኩም ::

2. መወዳደሪ ዶክመንት ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ሽምን ኣድራሻን ዘለዎ ናይቲ ትካል ወይ ውልቀ ሰብ ማህተምን ፊርማን ክህልዎ እንተዘይሃልይዎ ድማ ፊርማ ብምግባር እቲ ፖስታ ዝተዓሸገ ክኸውን ኣለዎ ::

3. ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ቢሮ ቴክኒክን ሞያን ስራሕ ዕድል ፈጠራን ክልል ትግራይ ከ/ስራ/ ዳ/ዳ/ዕ/ፋ/ንብ/ምም/ር ኣብ ህንፃ ኮምፕሌክስ 3ይ ደብሪ ቁፅሪ ክላስ 333 ካብ ዕለት 18/10/2018 ክሳብ 29/10/2018 ዓ.ም ኣብ ተኸታታሊ መዓልቲ እናመፃእኹም ክትወስዱ ትኸእሉ እቲ ጨረታ ዕለት 29 /10/2018 ዓ.ም ልክዕ ሰዓት 8፡00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 8፡30 ኣብ ቢሮ ቴሞትስን ስራሕ ዕድል ፈጠራን ክልል/ትግራይ ደ/ከይ/ስ/ዕደ/ፋይ/ንብ/ ምም/ር ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለውሉ ይኸፈት

መግዝኢ ጨረታ ሰነድ 100 ቅርሺ ይኸውን::

4. መክበሪ ጨረታ ብጥረ ገንዘብ ፣ ብሲፒኦ ፣ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ወይም ካሊእ ትሕጃ 1000 ይከውን

5. ሰዓርቲ ዘሸነፍዎ ንብረት ኣብ ውሽጢ ዝተብሃለ መዓልቲ እንተዘይኣልዒሎም ዘትሓዝዎ መኸበሪ ውዕሊ ተወሪሶም ናብ ካሊእ መፍትሒ ዝኣትው ምዃኑ

6. ቢሮ ጨረታ ዝሐሸ መመረፂ እንተረኪቡ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉው እዩ

7. ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስ.ቑ 0344403447 ደዊልኩም ክትረኽቡ ትኽእሉ ምዃንኩም ንሕብር

ቢሮ ቴክኒክን ሙያን ትምህርትን ስልጠናን ስራሕ ዕድል ፈጠራ ክልል ትግራይ