የህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ /ህ.ወ.ሓ.ት/ ዋና ፅሕፈት ቤት

Ref.NO./1:66.5555/ra/1453

Deto/ዕለት 16/10/2018ዓ/ም

ጨረታቁፅሪ ጨ-02/2018ዓ/ም

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ዋና ቤት ፅሕፈት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ኣብ ውሽጢ ቤት ፅሕፈቱ ዝርከብ ዝተፈላዩ ዘገልገሉን ዝተሰባበሩን ቁርፅራፃትን ንብረታት ጣውላታት/ፈርኒቸር/ ፣ ሓፂን መፂን ፣ ናይ ኤሌክትሮኒክስ ንብረታት ፣ ናይ መኪና ጎማን ባትርን ከምኡ ካለኦትን ዝበሉ ዘገልገሉ ንብረታት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክሸይጥ ስለ ዝደለየ ኣብ ታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቛሒታት እተማልኡ መቕረብቲ ንክትወዳደሩ ፃውዒቱ ብኣኽብሮት የቕርብ:-

ብተወዳደርቲ ክማልኡ ዝግበኦም ረቛሕታት

1. ተወዳደርቲ በቲ ዓውደ ስራሕ ናይ ዘመኑ 2018ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ፣ መፍለዪ ቁፅሪ /ቲን ናምበር/ ናይ ግብሪ ከፋላይ ኮፒ ሰርቲፊኬት ከቕርብ ዝኽእል ክኸውን ኣለዎ፡፡

2. ተወዳደርቲ ካብ ቤት ፅሕፈትና ከ/ስ/ዕ/ፋ/ን/ምም/ር ካብ ዕለት16/10/2018ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 29/10/2018ዓ/ም ኣብ ዘሎ ናይ ስራሕ ሰዓት ብምምፃእ ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ ብር 200 /ክልተ ሚኢቲ ብር/ እናኸፈልኩም ክትወስዱ ትኽእሉ።

3. ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 30/10/2018ዓ/ም በቲ ዕለት ልክዕ ሳዓት 4፡00 ናይ ቅድሚ ሳዓት እንትኸውን ጨረታ ዝኸፈተሉ ብተመሳሳሊ ዕለት 30/10/2018ዓ/ም ልክዕ ሳዓት 4፡30 ናይ ቅድሚ ሳዓት ሕጋውያን ተወዳደርቲ ወይ ሕጋውያን ወኪላቶም ኣብ ዘለውሉ ይኽፈት፡ ጨረታ መኽፈቲ ብካላንደር ኣብ ዝዕፆ መዓልቲ እንተዳኣ ውዒሉ ኣብ ዝቅፅል ናይ ስራሕ መዓልቲ ብተመሳሳሊ ሳዓት ይኸፈት

4. ተወዳደርቲ ናይ ጨረታ መኽበሪ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ መአዚ ክፍሊት ቸክ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሌቴር ኦፍ ክረዲት (CPO) ብር 15,000_ብሽም ቤት ፅሕፈትና ከትሕዝ ዝኽእል ክኸውን ኣለዎ። ኣብ እዋን ምኽፋት ጨረታ ተወዳዳራይ ወይ ሕጋዊ ወኪሉ እንተዘይተረኺቡ ጨረታ ዝኽፈት ምዃኑ ክፍለጥ ኣለዎ።

5. ሰዓራይ - ሰዓራይ ምዃኑ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ እቲ ዝኽፈል ዋጋ ናይ ዘሸነፎም ሙሉእ ብሙሉእ ምስ ከፈለ ኣብ ውሽጢ 7ተ /ሸውዓተ/ ተኸታተልቲ መዓልትታት ብናይ ባዕሉ መጓዓዝያ መፅዓንን መራገፍን ክወስድ ይግባእ። በቲ ዝተገለፀ መዓልትታት ዘይወስድ እንተኾይኑ ግና ዘትሓዞ CPO ናብ ቤት ፅሕፈትና ኣታዊ ይኸውን፡፡

6. ተወዳደርቲ ኣብ ሕድ ሕድ ናይ መወዳደሪ መረዳእታኹም ከምኡ እውን ኣብ ናይ ዋጋ መምልኢ ቅጥዒ ናይ ትካልኩም ማህተም እንተሃልዩ ማህተም ሽምን ፌርማን ዝዓረፎ ክትገብሩ ማህተም እንተዘይብልኩም ድማ ሽምን ፊርማን ክትገብርሉ ኣለኩም ፣ ኣብ እትመልእዎ ዋጋ ስርዝድልዝ ብዘይብሉ ብኢንቮሎፕ/ፖስታ/ ዓሺግኩም ንዋና ቤት ፅሕፈት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ከ/ስ/ዕ/ፋ/ንብ/ምም/ርን ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ጨረታ ክተእትዉ ኣለኩም፡፡

7. ተወዳደርቲ ዋጋ እንትመልኡ ኣብ ዝተዳለወልኩም ሰነድ ጨረታ ጥራሕ ንክትመልኡ ንሕብር። ኣብ በዝሒ ናይቲ ንጨረታ ዝቐረበ ንብረት ክውስኽን ክቕንስን ይኽእል እዩ፡ ኣብ ነፀላ ዋጋን ጠ/ዋጋን ኣፈላላይ እንተጋጢሙ ነፀላ ዋጋ ዝውሰድ ይኸውን፡፡

8. ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉው እዩ። ኣድራሻና፡ ትግራይ -መቐለ - ዋና ቤት ፅሕፈት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ኣብ ውሽጢ ግቢ ሓወልቲ ሰማእታት መቐለ ኣቲኹም ክትረኸቡና ትኽእሉ::

➢ ንዝተደለየ ሓበሬታ ብሞባይል ቁፅሪ:- 0914 124252 /0952564069 ብምድዋል ሓበሬታ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም፡፡ ምስ ሰላምታ