የትግራይ ክልል ፍትህ ቢሮ

ምልክታ ግልፂ ጨረታ ቁፅሪ /2018/

ቢሮ ፍትሒ ክልልትግራይ ዝተፈላለዩ ዘገልገሉ ንብረታት ኤሌክትሮኒክስ፣ናይ መካይን ስፔርን ከምኡ እዉን ዝተፈላለዩ ንብረታት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክሽየጥ ይደሊ በዚ መሰረት እዞም ዝስዕቡ ረቃሒታት እተማልኡ ነጋዶ ክትሳተፉ /ፋ/ ትክእሉ

➢በቲ ዘርፊ ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘቅርብ፣

➢ ናይ ግብሪ ከፋላይ ቁፅሪ /TIN /ዘለዎም ምካኑ መረዳእታ ዘቅርብ ፣

➢ ምልክታ ካብ ዝተለጠፈሉ እዋን ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 10 መዓልቲ ናብ ቢሮ ፍትሒ ብምቅራብ ንግዲ ፍቃድኩም ፣ናይ ግብሪ ከፋላይነት መለለይ ቁዕርኩምን፣ኮፒ ምስ መወዳደሪ ዶኩሜትኩም ብምትሕሓዝ ክትወዳደሩ ትክእሉ ምካንኩም እናገለፅና መወዳደሪኩም ሽምን ፌርማን ፣ኣድራሻ ናይ ትካልኩም ማህተም ብምግባር ብሽም ዝተዓሸገ ፖስታ ካብ ዕለት 12/10/2018 ዓ/ም ካብ ሰዓት3፡00 ጀሚሩ ክሳብ 11፡00 ሰዓት ቀዳምን ሰንበትን ሓዊሱ ቁፅሪ 317እቲ ጨረታ ሰነድ ትገዝኡ ትክእሉ

ተጫረቲ ናይ ጨረታ መክበሪ ኤሌክትሮኒክስን ናይ መካይን ስፔርን ዝተፈላለዩ ናይ ቢሮንብረታትን እንሕድ ሕዶም ብር/ 2000/ ክልተ ሽሕ ብር/ ብሽም ቢሮና ቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይ ብ CPO ወይ ብግዝየ ዘይተገደበ ቼክ ኣብ ባንኪ ዝተረጋገፀ ወይ ድማ ብጥረ ገንዘብ ናብ ዝተዳለወ ናይ ቢሮና ገንዘብ ተሓዚ ወይ ድማ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ከቅርብ ዝክእል ፣ካብዚ ወፃኢ እቲ ዝቀረበ ጨረታ መክበሪ ገንዘብ ካብቲ ዝተሓተተ ገንዘብ መጠን ዝተሓተ እንተኮይኑ ብዘይ ምንም ኩነታት ካብቲ ጨረታ ይስረዝ ፡፡

➢ እቲ ጨረታ ዕለት 22/10/2018ዓ/ም ሰዓት ኩሉ ግዜ በቲዕለት ንሱ ልክዕ 8፡30 ድሕሪ ሰዓት ተዓፅዩ በቲ ዕለት ንሱ ሰዓት 9:00 ኣብ ቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይ ዳ/ዕ/ፋ/ም/ምም/ርን ቢሮ ቁፅሪ 317 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላት ኣብ ዘለዎ ይክፍት ፡፡

➢ ቢሮና ዘዳለዎ ኣብ ናይ ዋጋ መምለኢ ቅጥዒ ክምላእ ይግባእ ፡፡

➢ እዚ ሰነድ ጨረታ ኣብ መንጎ ሰዓራይ ትካል ንቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይ ከም ሕጋዊ ዉዕሊ ኮይኑ ከም ዘገልግል ክትፈልጡ ይግባእ ፡፡

➢ ቢሮና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ጨረታ ብክፋል ይኩን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

➢ ተጨራታይ ሰዓራይ ምካኑ ካብ ዝተገለፀሉ ግዜ ኣብ ዉሽጢ 5 መዓልቲ ብናይ ባዕሉ መጋዓዝያ ካብ ቢሮና ንብረቱ ክልዕል ዝክእል

➢ ኣብ ናይ መንግስቲ ዕደጋ ከይወዳደር ብቢሮ ትልምን ፋይናንስን ክልል ትግራይ ዝተኣገደ እግድ ከይተለዓለሉ ክወዳደር ኣይክእልን ፡፡

➢ ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁዕሪ 0344408714 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል