1 ናይ ኤሌክትሮኒክስ ፍቃድ ንግዲ ዘለዎም
2 ናይ 2017 ዓም ግብሪ ዝከፈልኩም ናይ 2108 ዓም ፍቃድ ንግዲ ዝሐደስኩም
3 ቫት ምዝገባ ሰርትፊኬትን ናይ ወርሒ መጋቢት 2018 ዓም ቫት ዲክላሪሽን ከቅርብ ዝክእል
4 ናይ ከፋሊ ግብሪ ቲን ናምበር ናይ 2018 ዓም ዝተሐደሰ መቅረባይነት ሰርተፊኬት ክተቅርቡ እትክእሉ
5 ኣብ ፖስታ ዝዕሸግ ዝተሐደሰ ፈቃድ ንግዲ ተወሳኪ እሴት ታክስ መዝገባ ሰርቲፊኬት ናይ ከፋለይ ግበሪ መለለይ ቲን ናምበር ብግልፂ ዝረአ ክከዉን አለዎ
6 እቶም ሰነዳት ፊርማ ከመእዉን ናይቲ ዝወዳደረሉ ዓይነት ስራሕን ኣብ ሕድሕድ ፖስታ ብዝረአ ብምፅሓፍ ሐደ ኦርጅናል ክልተ ኮፒ ብዝተዓሸገ ፖስታ ብምቅራብ ኣብ ሕድሕድሕ ፖስታ ኦርጅናልን ኮፒ ኢልካ ብምፅሓፍ ከምእዉን ሰለስቲኦም ፖስታ ኣብ ዓብይ ፖስታታት መሊሶም ብዝተዓሸገ ፖስታ ብምእታዉ ኣብቲ ዓብይ ፖስታ ሽምን ፊርማን ማሀተምን ከምእዉን ኣድላይ ኣድራሽን ክፃሓፈ አለዎ
7 ኣብ መንግስታዊ ጨረታ ካብ ዝኮነ ይኩን ትካል ዝተአገደ ነጋዳይ ኣብዚ ጨረታ ክሳተፍ ኣይክእልን
8 ከይዲ ጨረታ ብዘይአገባብ ምዝባዕ ምፍታን ብሕጊ ዝሕትት ጨረታ ከይሳተፍ ክሳብ ምእጋድ ስጉምቲ ዘስዕብ ምካኑ ንሕብር
9 ስርዝ ድልዝ ወይ ድምሳስ ክህልዉ የብሉን
10 ተጫረቲ ቅድሚ ጨረታ ምልክፋቱ ክበሪ ጨረታ ብጥረ ገንዝብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ 8000 ቅርሺ ከትሕዝ ዝክእል
11 ናይ ጨረታ ዝርዝር ሰነድ ተጫረቲ ዕለት 30/9/2018 ዓም ክሳብ ዕለት 18/10/2018 ዓምኣብ ዘሎ ግዜ ቤት ፅሕፈት መሰተ ማይን ፈሳሲ ከተማ ዓዲዳዕሮ እናመፃእኩም ዘይምለስ 250 ቅርሺ ብምክፋል ሰነድ ጨረታ ክትወስዱ ትክእሉ
12 እቲ ጨረታ ዕለት 19/10/2018 ዓም ሰዓት 2:30 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 3:00 ይክፈት
13 ሰዓራይ መቅረባይ ዝፈለጠሉ በቲ መሰረት መዓቀኒ ኮይኑ ዝተሐተተ ዋጋ ካብ ዝመለአ ዋጋ መቅረባይ እዩ
14 ተጫራታይ ሲዕራከ ተባሂሉ ፋይናንሻል ዉፅኢቱ ብስሩዑ ካብ ዝተለጠፈሉ ዕለት ጀሚሩ ድሕሪ ሰለሰተ መዓልቲ ናይ ቅሬታ መዓልቲ ዉዕሊ ክኣስር ዝክእልን ካብ ጠቅላላ ዝሰዓሮ 10 ሚእታዊ መከበሪ ዉዕሊ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ወይድማ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዝ ዝክእለ
15 ዝሰዓረ ተወዳደሪያ ናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ወፃኢ ናብ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት መሰተ ማይ ፈሳሲን ከተማ ዓዲ ዳዕሮ ኣታዊ ዝገብር
16 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ መሉእ ብመሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ