የኣክሱም ከተማ ፋይናንስ ፅሕፈት ቤት

1 በቲ ዘፈር አግባብነት ዘለዎ ናይ 2018 ዓም ዝተሐደሰ ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ ዋናን ቅዳሕነ ከቅርብ ዝክእል

2 ወረቀት ምስክር ናይ ግብሪ ከፋሊ ዋናን ቅዳሕነ ከቅርብ ዝክእል

3 ኣብ መቅረባይነት ዝርዝር ዝተመዝገበን ናይ 2018 ዓም ዘተሐደሰ ዋናን ቅዳሕን ከቅርብ ዝክእል

4 ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝጋቢ ዝኮነን ናይ ወርሒ ሚያዝያ 2018 ዓም ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ፀብፃብ ዝገበረሉ መረዳእታ ዋናን ቅዳሕነ ከቅርብ ዝክእል

5 መከበሪ ጨረታ ፅሬት ኣቅሑት 1000 ቅርሺ: ኤሌክትሮኒክስ ኣቅሑት 7000 ቅርሺ : ናይ መኪና መለዋወጢ ስፔር ፓርት 5000 ቅርሺ ኣብ ኩነታት ዘይተመሰረተ ናይ ባንኪ ዉሕስና ብዘይሰዓር ሌተር ኦፍ ክሪዲት ዝቀርብ ዉሕስና ብጥር ገንዘብ ወይ ዝተረጋገፀ ቼክ ወይ ናይ ክፍሊት ትእዛዝ ከትሕዙ አለዎም

6 ነፀላ ዋጋን ሐፈሻዊ ዋጋን ብግልፂ ዝንበብ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ኣብ ሕድሕድ ዋናን ቅዳሕን ሰነድ መሊኦም ናይ ባዕል ዋና ነጋዳይ መሉእ ሽም ፊርማን ማህተምን ብምግባር ናብ ዝተዳለወ ሳነዱቅ ጨረታ ከእትዉ አለዎም

7 ሳንዱቅ ጨረታ ብመረክብቲ ሓፋሽ ካብ ዝተጋወሐሉ ክሳብ 22/10/2018 ዓም ኮይኑ ሳነዱቅ ጨረታ ዝዕፀወሉ 22/10/2018 ዓም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይ እዉን ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረክብሉ ይክፈት

8 ኣብ እዋን ምክፋት ጨረታ ዋናን ቅዳሕን ከምእዉን ከማልኡ ዝተሐተተ መረዳእታ ኩሎም ክማልኡ አለዎም ኩሉም ክማለኡ ዝተሐተተኡ ዘይቀረበ ነጋዳይ ሽዑ ንሸዑ ካብ ጨረታ ዉድድር ወፃኢ ዝግበር ምካኑ ክትፈልጡ ይግባእ

9 ሰዓራይ ዝፈለ ድማ ኣየተም ብኣተም ዝተሐተ ዋጋ ዝአተዉ ይከዉን

10 ሰነድ ጨረታ ብክልተ ፖስታ ዝቀርብ ኮይኑ ኣብ ዝባን እቲ ፖስታ ሽም ተጫራታይ ዓይነት ናይ ዝወዳደረሉ ሎት ማህተም ካልኦትን ብምምላእ ወናን ቅዳሕን ሰነዳት ኣብ ነናይባዐሎም ፖስታ ብምዕሻግ ንክለቲኦም ኣብ ሐደ ዓብይ ፖስታ ተዓሺጉ ክቀርብ አለዎ

11 ዋጋ ጨረታ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዜ እዚ ጨረታ ካብ ዝተከፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን40 መዓልቲታት ጥራይ ይከዉን

12 እቲ ቤት ፅሕፈት ከምእድላይነቱ ካብ ነብስወከፈ ነፀላ ዋጋ ክሳብ 20 ሚእታዊ ናይ ምዉሳክ ወይ እዉን ናይ ምቅናስ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

13ንዝበለፀ ሐበሬታ 0342750083 ምሕታት ይከኣል

14እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ መሉእ ብመሉእ ወይ ብክፋል ናይ መስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ