የውቕሮ ማረሚያ ተቋም

ቁፅሪው/ማ/v/222/2018

ዕለት 11/10/2018ዓ/ም

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ውቅሮ ማእኸል ህንፀት ንሕጊ ተሃነፅቲ ንሓደ ዓመት ውዕሊ ኣስሩ ክምግብ ዝኽእል ሕጋዊ ነጋዳይ ወይ ማሕበራት ብሆቴል፣ሬስቶራንትን ቑርሲ ቤትን ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም ብግልፂ ጨረታኣወዱሩ ከህብ ይደሊ

መቅረቢት/ተወዳደርቲ/ቅድምያ ከማላእዎ ዝግበኦ ረቋሒ

1. ብናይ ሆቴል፣ሬስቶራንትን ቑርስ ቤትን ንግድ ፍቃድ ዘለዎ ናይ 2018ዓ/ም ዝተሃደሰ ዘቅርብ ፡፡ 2 ናይ መቅረባይነት ሰርቲፍኬት ናይ 2018ዓ/ም ዝተሃደሰ ዘቅርብ ፡

3. ናይ ግብሪ ኸፋሊ መለለይ ቲን ናምበርን ቫት ዝተመዝገበሉን ሰርትፍኬት ዘቅርብ፡፡

4. ወርሓዊ ናይ ቫት ሪፖርት/ድክላረሽን/ናይ ወርሒ ሚያዝያ 2018ዓ/ም ዘቅርብ፡፡

5. ልዕሊ 60% ኣካል ጉድኣት ዝኾንኹም ማሕበራት ወርሓዊ ናይ ቫት ሪፖርት ከም ዘይተቅርቡን ካብ ቫት ነፃ ምኾንኹምን ዝገልፅ መረዳእታ ካብ ዝምልከቶ ኣካል ተቅርቡ ትኽእሉ/ወርሓዊ ሪፖርት ተቐርቡ እንተኾይንኹም ድማ ናይቲ ዝተገለፀ ወርሓዊ ናይ ቫት ሪፖርት ዘቅርብ።

6. 1—5 ዝተዘርዘሩ ኦርጅናል ምስ ዘይምለስ ፎቶ ኮፒ ከቅርብ ዝኸእል።

7. መኽበሪ ጨረታ እቲ ጨረታ ቅድሚ ምኽፋቱ ብባንኪ ዝተራጋገፀ ቸክ፣ CP.O፤ብጥረ ገንዘብ ብር 30000.00 /ሰላሳ ሽሕ ቅርሺ ከትሕዝ ዝኽእል።

8.ንሓደ ተሃናፂ መዓልታዊ ባጀት ምስ ቫቱ ብር 98.10/ቴስዓን ሸሞንተን ብር ምስ 10/100 ኾይኑ ኣብ ወርሒ ድማ 2943.00/ክልተ ሽሕን ትሻዓንተ ሚኢትን ኣርባዓን ሰለስተን ብር ምስ 00/100 ጥራሕ ምዃኑ ።

9. ጨረታ ሰዓራይ ምዃኑ ካብ ዝተረጋገፀሉ መዓልቲ ድሕሪ 3' ናይ ስራሕ መዓልቲ ጥርዓን ኣብ ዉሽጢ 3' ናይ ስራሕ መዓልቲ ውዕል ከኣስር ዝኽእል በቲ ዝተጠቐሰ መዓልቲ ዉዕሊ እንተዘይኣሲሩ ዘትሓዞ መኽበሪ ጨረታ ናብ ናይ መንግስቲ ካዝና ኣታዊ ይኸውን፡፡

10. ተጫረቲ ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ዝገልፅ ካብ ዕለት 11/10/2018ዓ/ም ክሳብ 26/10/2018ዓ/ም ሰዓት 8:30 ዘይምለስ ብር 200.00 /ክልተ ሚኢት ቅርሺ እናኸፈሉ ካብ ቢሮ ቁፅሪ 4ተ ከ/ስ/ዕ/ፋ/ንብ/ምም/ርን ክወስዱ ይኽእሉ። እቲ ጨረታ ዕለት 26/10/2018ዓ/ም ሰዓት 8:30 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 9:00 ድሕሪ ሰዓት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላት ኣብ ዝተረኸብሉ ይኹን ኣብ ዘይተረኸብሉ ይኸፈት::

11. ድሕሪ ናይ ጨረታ ሳፁን ምዕፃዉ ዝመፅእ ፖስታ ይኹን ሓሳብ ተቕባልነት የብሉን ብተወሳኺ ንዝወፀ እስፐስፍኬሽን ኣማሊኡ ዘይተረኸበ ተወዳዳሪ ካብ ዉድድር ዉድቂ ከምዝግበር ክፈልጥ ኣለዎ።

12. ሰዓሪ ዝኾነ ተወዳዳሪ ካብ ጠቕላላ ናይ ወርሒ ዝከፈሎ ብር 10% መኽበሪ ዉዕሊ ዘትሕዝ ኮይኑ ንዘቕርቦ ግልጋሎት ምግቢ ዝኸፈሎ ገንዘብ ልዕሊ 10,000 ብር እንተኾይኑ 3%ዊዝ ሆልድ ታክሲ ይኸፍል።

13. ናይ ማይን መብራህትን ክፍሊት ብመስራቤት ዝሽፈን ኾይኑ ዝተረፈ ኩሉ ናይ ሰራሕተኛታት ይኹን ኻልኦት ወፃእታት ባዕሉ ዝሽፍን "

14. ንምግብና ዘገልግሉ መሳርሕታት ናይቲ መስራቤት ዝኾኑ ንብረት እንተሃሊዮም ን3 /ሰለስተ/ ወርሒ ብነፃ ይጥቐም ድሕሪ 3' ወርሒ ግና ብኸራይ መልክዕ ክጥቀም ይኽእል ።

15. እቲ ዝምላእ ዋጋ ምስ ቫቱ ኾይኑ ኣብ ፅሬትን ግራምን ምውሳኽ ዝካኣል ኾይኑ ኣብ ባጀት/ቅርሺ ምቅናስ ኣካኣልን ፡፡ እቲ ዝምላእ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ናይ ተጫረቲ ንፁር ኣድራሻ፣ ማህተም፡ሽምን ፌርማን ብምግባር ኣብቲ ብመ/ቤትና ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ዋጋ መምልኢ ቅጥዒ ጥራሕ ተመሊኡ ብፖስታ ብምዕሻግ ነዚ ጨረታ እዚ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ኣብ ደ/ከ/ስ/ዕ/ፋ/ን/ም/ን ቢሮ ቁፅሪ 4' ኣብ ስራሕ ሳዓት ዘእትው።

16. ዋጋ ጨረታ ፀንዑ ዝፀንሐሉ ጨረታ ካብ ዝኸፈተሉ ዕለት ጀምሩ ንተኸታታሊ 20 መዓልቲ ይኸውን። መስራቤትና ዘሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብክፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፤፤

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብኣካል ወይ ብስልኪ 0942660820 ወይ 0914112307 ምሕታትይከኣል