ሓድነት ክፍለ ከተማ እቅድና ፋይናንስ ጽህፈት ቤት

ዕለት 02/10/2018 ዓ/ም

ቁፅሪ ርር ዝዕንብ/ምም/ክ/ከ/ሓ/18

ናይ ፕሮፎርማ ምልክታ ቁፅሪ 018

ክፍለ ከተማ ሓድነት ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ንናይ ቤት ፅሕፈታት ግልጋሎት ዝውዕል ናይ ኤሌክትሮኒክስ መለዋወጢ ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ቁሓታት ተማልኡ ንክትወዳደሩ ይዕድም።

ናይ ተጫረቲ መምርሒ ፦ ተጫረቲ /ተወዳደርቲ ከማልእዎ ዝግባእ፦

1. በቲ ዘርፍ ዝተሓደሰ ንግዲ ፈቃድ ናይ 2018 ዓ/ም፤ናይ ግብሪ ከፋላይ ሰርተፊኬት(ቲን)፤ ናይ 2018 ዓ/ም ዝተሓደሰ መቅረባይነት ዘለዎ፤እንትኾን እቲ መረዳእታ ምስቲ ፕሮፎርማ ኮፒ ብምትሕሓዝ ብፖስታ ኣሺጉ ዋጋ ዝመልኦ ኣካል ፊርማን ማህተምን ስ/ቁፅሪ ክገብረሉ ይግባእ፤ ስርዝ ድልዝ ዘለዎ ዋጋ ፌርማ ክኣርፈሉ ይግባእ ።ፌርማ ዝየብሉ ነፀላ ዋጋ ውድቂ ይከውን።

2. ፕሮፎርማ ዝቀርበሉ ዕለት እቲ ምልክታ ካብ ዝወፀአሉ ዕለት 02/10/2018 ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 05/10/2018 ዓ.ም ልክዕ ሰዓት 3፣30 ተዓፂዩ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ክፍለ ከተማ ሓድነት ቁፅሪ 22/2ይ ደብሪ በቲ ዕለት 05/10/2018 ዓ/ም ልክዕ ስዓት 4፣00 ንጎሆ ይክፈት።

3. እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ ኣማራፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰለ ዝተሓለወ እዩ ።

4. ተወዳደርቲ ወይ ከዓ ወኪላቶም ብዘይ ምርካቦም ከይተኸፈተ ዝምለስ ሰነድ ፕሮፎርማ ኣይሕሊን

5. ኣብ መንጎ መቅረባይን ቤት ፅሕፈትን መቅረባይ ዝሃቦ ናይ ዋጋ መግለፂ ከም ውዕሊ ኮይኑ የገልግል።

6. ዋጋ ፀንዑ ዝፀንዐለ ፕሮፎርማ ካብ ዝተኸፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን7 መዓልቲ ይኸውን

7. ዝሰዓረ ተወዳደራይ ናይ ዝስዓሮ ዓይነት ንብረት ደብዳቤ ካብ ዝተገለፀለ ዕለት ኣብ 3ተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ብናይ ባዕሎም መጎዓዚ ኣታዊ ክገብሩ ኣለዎ።

8. ኣድራሻና ቅሳነት ቤት ትምህርቲ ቅድሚ ምብፃሓካ ዝርከብ ኮይኑ ንተወሳኺ ሓበሬታ ስልኪ ቁፅሪ 0913200951 ወይም 0987313391