ቁፅሪ:-ዳ/ዕ/ን/ምም/ርን/1369 /2018
ዕለት: 02/10/2018 ዓ/ም
ምልክታ ከባብያዊ ጨረታ
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ዳይሬክተር ዕ/ን/ምም/ርን ኣብ በጀት ዓመት 2018 ካብ መደበኛ በጀት ንቤት ዕዮ ግልጋሎት ዝዉዕል _ ኤሌክትሮኒክስ ኣክሰሰሪን ኤሌክትሮኒክስ ኣቁሑትን ብከባብያዊ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ስለዝደለየ ክትወዳደሩ እትደልዩ ተወዳደርቲ ነጋዶ/ ክተማልእዎም ዝግብኡ ረቋሒታት
1. በቲ ዘርፊ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎምን ናይ 2018 በጀት ዓመት ዝተሓደሰ ሓደ ገፅ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ ክኾኑ ኣለዎም::
2. ተጫረቲ ናይ ዝወዳደሩሎም ዘርፊ ናይ 2018 በጀት ዓመት ሓደ ገፅ ዝተሓደሰ መቅረባይነት ካርዲ ከቅርቡ ዝክእሉ ክኾኑ ኣለዎም::
3. ናይ ግብሪ ከፋሊ ቲን ናምበርን /Tin/ ግልፂ ዝኾነ መረዳእታ ሓደ ሓደ ገፅ ከቅርቡ ኣለዎም::
4. ተጫረቲ 5000 /ሓሙሽተ ሽሕ ብር/ መክበሪ ጨረታ ንሕድሕድ ሎት ብሲፒኦ ወይ ድማ ብባንኪ ብዝተረጋገፀ ቸክ ወይ ድማ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ዉሕስና ወይ ድማ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዙ ይግባእ::
5. ተጫረቲ መጫረቲ _ ሰነዶም 200 ብር ብምክፋል ካብ ዕለት 02/10/2018- 11/10/2018 ዓ/ም ሰዓት 11:30 ካብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ዳይሬክተር ዕደጋን ንብረት ምምሕዳርን ብሎክ 6 ቢሮ ቁፅሪ 44 ምዉሳድ ይክእሉ እዮም::
6. ጨረታ ፀኒዑ ዝፀንሐለ ግዜ ጨረታ ካብ ዝተለጠፈሉ መዓልቲ ዝቁፀር ካብ 02/10/2018-11/10/2018 ዓ/ም ን 10 ተከታተልቲ መዓልቲታት ኮይኑ ጨረታ ዝዕፀወሉ ድማ ዕለት 12/10/2018 ዓ/ም ንግሆ ሰዓት 3:30 ኮይኑ ጨረታ ዝክፈተሉ ድማ ዕለት 12/10/2018 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ኩሎም ተጫረቲ ሕጋዊ ወኪሎም/ ኣብ ዝተረከብሉ ኮይኑ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ መዓልቲ ድማ ካብ ጨረታ ዝተከፈተሉ መዓልቲ ዝቁፀር 18 ተከታታሊ መዓልቲ ምኳኑ ክፈልጡ ይግባእ::
7. ጨረታ ዘሸነፈ ኣሸናፊነቱ ካብ ዝተገለፀሉ መዓልቲ ጀሚሩ ድሕሪ ናይ ጥርዓን 3ተ ናይ ስራሕ ማዓልቲ ኣብ ዉሽጢ 3ተ ናይ ስራሕ ማዓልቲ ናይ ዘሸነፎ ዋጋ 10% ብምሓዝ ዉዕል ክኣስር ዝክእል፡፡
8. ኣብ ዝመልእዎ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ኣይፍቀድን እንትሃልይዎ ፌርማ ይገበረሉ ካብዙይ ወፃኢ እንተኮይኑ ኣብ ምዕራይ ውድቂ ይግበር፡፡
9. ቢሮና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብኸፋል ይኹን ብሙሉእ ነቲ ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰለ ዝተሓለወ እዩ፡፡
10. ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 034-440-24-20 ይደውሉ፡፡