ምልክታ ፕሮፎርማ
ቁፅሪ 748/ት/ባ/ዕ/ፋ/ን/ምም/ር-22
ዕለትO/ /10/2018ዓ/ም
ኣብ ዋና ቤት መዛጋጃ ከተማ መቐለ ነዞም ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሮም ዘለዎ ናይ ቤት ማዛጋጃ ከተማ መቐለ ናይ ከ/ስ/ ኣጠቃቅማ ምሕደራ መሬት መኪና ባትሪ ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደሊየ፡ ስለዚ በቲ ዘርፊ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለኩም ነጋዶ ክትወዳደሩ ይዕድም፡
| ተ/ቑ | ዓይነት ንብረት | መዐቀኒ | በዝሒ | ነ/ዋጋ | ጠ/ዋጋ | መብርሂ |
|---|---|---|---|---|---|---|
| 1 | ባትሪ ህል ሲሊድ | ቁፅሪ | 1 |
ተዋዳደርቲ ክማልኡዎ ዝግበኦም ረቛሓታት
1. ተወዳደርቲ ዝተሓደሰ ናይ 2008 ዓ/ም ንግዲ ፍቓድን መቕረባይነት ሰርተፊኬትን ከምኡ እውን ቲን (Ti Number) ን ምስ ዘይምለስ ፎቶ ኮፒ ምስቲ ፕሮፎርማ ብፖስታ ተዓሽጉ ከቕርቡ ኣለዎም።
2. ተወዳደርቲ መሊኦም ኣብ ዘቕርብዎ ፕሮፎርማ ፊርማን ክቢ ማሕተምን ከዕርፍሉ ኣለዎም።
3. ተወዳደርቲ እቲ ንብረት ቅድሚ ምምላኦም ኣብ መኽዝኖም ምህላዉ ከረጋግፁ ኣለዎም፡፡
4. ተወዳደርቲ ስዓርቲ ኮይኖም እንተተረኪቦም እቲ ንብረት ብናይ ባዕሎም መጋዓዝን መራገፍን ናብ ቢሮና ስቶር ክፍሊ ኣታዊ ይገብሩ።
5. ተወዳደርቲ እትጫረትሉ ዋጋ ካብ ቢሮና ብዝወሰድክምዎ ቅጥዒ ወይም ብናይ ባዓልኹም መሊእኹም ክተቕርቡ ይግባእ።
6. ተወዳደርቲ ዝመልእዎ ፕሮፎርማ ካብ ዕለት 01/10/2008 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 03/10/2008 ዓ/ም ሰዓት 10፡00 ኣብ ዘሎ ግዘ ምቕራብ ይኸእሉ።
7. እዚ ፕሮፎርማ ዕለት 01/10/2008 ዓ/ም ሰዓት 10:00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 10:30 ኣብ ቤት መዘጋጃ ከተማ መቐለ 3 ደብሪ ይኽፈት፡፡
8. ቢሮና ኣድላይ ኮይኑ እንተረኺብዎ ነዚ ፕሮፎርማ ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕልው እዩ፡፡
9. ተወዳደርቲ መሊኦም ዘቕረብዎ ፕሮፎርማ ብመምርሒ ዕደጋ 255/2007 መሰረት ከም ውዕሊ ኮይኑ የገልግል።