የኦፍላ ወረዳ እቅድና ፋይናንስ ጽህፈት ቤት

1 በቲ ዘፈር ናይ 2018 ዓም ዝተሐደሰ ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ ከቅርብ ዝክእል

2 በቲ ዘፈር ናይ 2018 ዓም ዝተሐደሰ መቅረባይነት ከቅርብ ዝክእል

3 መለለይ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ዘለኩም

4 ኣብ ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝጋቢ ዝኮነ

6 ናይ ወርሒ ሚያዝያ 2018 ዓም ሒሳብ ዘፍለጥክመሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል

7 ተጫራታይ ምስዓሩ ፈሊጡ ዉዕሊ ካብ ዝአሰረሉ ዕለት ጀሚሩ አብ ዉሽጢ 10 ናይ ስራሕ መዓልቲታት መፅዓንን መራገፍን ሓዊሱ ብናይ ባዕሉ ወፃኢ እቲ ዝሰዓሮ ንብረት ናብ ንብረት ክፍሊ ኣታዊ ዝገበር

8 ተጫረታይ በቢምድቡ ዘቅረቦ ንብረት በቲ ዝርዝር መዓኒ መሰረት ብባዓል ሞያ ፅሬቱ እናተረጋገፀ ኣታዊ ዝገበር እንትኮን ብብዓል ሞያ ቅቡል ዘይተገበረ ተቀባልነት ዘይብሉ ምካኑ ፈሊጡ በዚ ምክንያት ዝፈጠር ፀገም እቲ ሓላፍነት ናይ ተጫራታይ ይከዉን

9 ሰነድ ጨረታ ስርዝ ድልዝ ዘለዎ ማለት እዉን ንምንባብ አፀጋሚ እንተኮይኑ ካብ ዋጋ ዉድድር ወፃኢ ይከዉን

10 ጨረታ አብ አየር ዝፀንሐሉ ካብ ዕለት 27/9/2018 ዓም ክሳብ 15/10/2018 ዓም ይከዉን

11 እቲ ጨረታ 15/10/2018 ዓም ሰዓት 8፡30 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 9፡00 ኣብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ኦፍላ ተጫራታይ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረክበሉ ይከፈት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዘይተረክበሉ ሰነስርዓት ምክፋት ጨረታ ኣይተኣጎጎልን

12 ሰነድ ጨረታ ዋናን ቅዳሕን በበይኑ ኣብ ፖስታ ብምዕሻግ ኣብ ልዕሊኡ ዋናን ቅዳሕን ኢልካ ብምፅሓፍ ክምእዉን ናይ ተዋዳዳሪ ሽምን ብምፅሓፍ ኣብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ኦፍላ ኣብ ዘዳለዎ ጨረታ ክሳብ ጨረታ ዝዕፀዉ ጨረታ ምእታዉ ይከኣል

13 ሰነድ ጨረታ ኣብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ወረዳ ንሕድሕድ ዘይምለስ 500 ቅርሺ ብምክፋል ምዉሳድ ይከኣል

14 መከበሪ ጨረታ በቢሎቱ ንሎት ሐደን 10000 ቅርሺ ፡ ንምደብ ክልተ 15000 ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይ ድማ ብሽም ወረዳ ኦፍላ ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ካብ ሕጋዊ ባንኪታት ዝተሰርሐ ስፒኦ ወይ እዉን ብባንኪ ዝተረጋገፀ መዘዚ ክፍሊት ቼክ ወይ ኣብ ኩነታት ዘይተመሰረተ ዉሕስና ባንኪ ወይ እዉን ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሌተር ኦፍ ክሪዲት ከትሕዝ ዝክእል

15 ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ እዋን ጨረታ ካብ ዝተከፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዘሎ 40 መዓልቲታት ይከዉን

16 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝገዝእ ንብረት ካምኣድላይነቱ ካብ ነብስወከፈ ነፀላ ኣቅሓ ክሳብ 20 ሚእታዊ ክዉስክ ወይ ከቅንስ ይክእለ እዩ

17 ተጫራታይ ሽም ናይ ትካሉ ማህተምን ኣድራሻን ከዕርፍ አለዎ

18 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ናይ ሶላር ጨረታ ሰዓራይ ዝኮነ ተጫራታይ ናይ ባዕሉ መጎዓዝያን መፅዓንን መራገፍን ሐዊሱ አብ ዝኩያ ጥዕና ጣብያ ብናይ ባዕሉ ሰብ ሞያ ገጢሙ ከረክብ ዝክእል ነዚ ብዘይምግባሩ ንዝፍጠር ፀገም ሓላፈነት ናይቲ ተጫራታይ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0912076022 ወይድማ 0914769894