ምልክታ ጨረታ
ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ንናይ ሓለዋ ሰራሕተኛታት ናይ ማይ መከላከሊ /ሬይን ኮት/፣ ካፖርትን ኮቦርታን ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለ ዝደለየ ነዚ ሲዒቡ ተዘርዚሩ ዘሎ ረቋሒታት እተማልኡ ሕጋውያን ትካላት ንክትወዳደሩ ይዕድም፡፡
1. ናይ ተጫረቲ ሙሉእ ኣድራሻን ዝርዝር ሓበሬታን ከቕርቡ ይግባእ
1. ተጫረቲ ናይ መቕረባይ ፍቃድን ናይ ግብሪ ከፋላይ መፍለይ ቁፅሪ /TI/ ከቕርቡ ዝኽእሉን ከምኡ እውን ናይ 2018 ዓ.ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለኩም፣ ቫት ተመዝገብቲ ምዃንኩም መረዳእታ ክተቕርቡ እትኽእሉ፣
2. ተጫረቲ ካብ ዘቕርብዎ ጠቕላላ ዋጋ ካብ 2% ዘይነኣሰ ናይ ጨረታ መኸበሪ ኣብ ፋይናንሻል ትካላት ሕጋውነቱ ዝተረጋገፀ CPO ብፖስታ ዓሺጎም ከቅርቡ ይግባእ፡፡
3. ዝርዝር ዝሓዘ ሰነድ ካብ ዕለት 22/09/2018 ዓ.ም ጀሚሩ ካብ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ጨንፈር ሓወልቲ ዘይምለስ ብር 200 /ክልተ ሚኢቲ ብር/ ጥራሕ ብምኽፋል ኣብ ስራሕ ሰዓት ክትወስዱ ትኽእሉ፣
4. ናይ ጨረታ መከበሪ በቲ ኣብ ተራ ቑፅሪ 2 ዝተገለ መሰረት ዘየቕረበ ተጫራቲ ካብ ጨረታግላ ስ ዝስረዝ ምዃኑ ክፈልጥ ይግባእ።
5. ናይ ጨረታ ውፅኢት ከይተፈለጠ ንባዕሉ ካብ ጨረታ ዘግለለ ተወዳዳሪ ንጨረታ መኸበሪ ዘትሓዞ ገንዘብ ናብ ትካል ኣታዊ ከም ዝግበር ክፈልጥ ይግባእ።
6. ናይ ጨረታ ሰነድ ብፖስታ/ሽምዒ/ ዝተዓሸገ ኾይኑ ናብ ጨረታ ሳንዱቕ ኣታዊ ዝግበረሉ ካብ ዕለት 22/09/2018 ዓ/ም እስካብ ዕለት 02/10/2018 ዓ/ም ሰዓት 3፡00 ናይ ንጉሆ ኣብ ዘሎ ግዜ ይኸውን፤
7. እቲ ጨረታ ዕለት 02/10/2018 ዓ/ም ሰዓት 3፡00 ናይ ንጉሆ ናይ ጨረታ ሳንዱቕ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 3፡30 ናይ ንጉሆ ተጫረቲ ወይ ወኪላቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ዋና ቢሮ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ኣብ 4ይ ደብሪ ክፍሊ ፋይናንስ ዝኽፈት ኾይኑ ኣብቲ ጨረታ ተጫረቲ ወይ ወኪላቶም ብኣካል እንተዘይተረኸቡ እውን ሕጋውነቱ ክሳብ ዝተረጋገፀ እቲ ዝኣተወ ጨረታ ኩሉ ዝክፈት ይኸውን።
8. ተጫረቲ ኣብ እዋን ጨረታ ብስርዓት ክከታተሉን ብስርዓት ክሓቱን ዝፍቀድ ኮይኑ ካብዚ ወፃኢ ናይቲ ጨረታ ከይዲ ዝህውኽ ተግባራት ካብ ምፍፃም ክቁጠቡ ዘለዎም ኮይኖም ነቲ ጨረታ ዝህውኽ ተግባር ምስ ዝፍፅሙ ካብቲ ጨረታ ክስረዙን ካብ ውድድር ወፃኢ ክኾኑ ከምዝክእሉ ክርድኡ ይግባእ።
9. ናይ ጨረታ ሰዓራይ ውፅኢት ምስተፈለጠ ስዓሪ ጨረታ ካብ ጠቕላላ ዝቐረበ ዋጋ 10% ናይ ስራሕ ኣፈፃፅማ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ውሕስና /Unconditional Bank Guarantee/ ከትሕዝ ዝኸእል፣
10. በቲ ኣብ ተራ ቁፅሪ 9 ዝተገለፀ መሰረት ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ተኸታታሊ መዓልትታት ናብ ትካል ቀሪቡ ውዕል ዘይኣሰረ ስዓሪ ጨረታ እቲ ንጨረታ መኽበሪ ዘትሓዞ 2% ናብ ካዝና ትካል ኣታዊ ተገይሩ ከም ኣድላይነቱ ጨረታ ክወፅእ ከም ዝግበር ተጫራቲ ክፈልጥ ይግባእ።
11. ስዓሪ ጨረታ ሙሉእ ክፍሊት ድሕሪ ምፍፃም ነቲ ዝሰዓሮ ንብረት ብናይ ባዕሉ ወፃኢ ኣብ ውሽጢ 10 መዓልቲ ካብቲ ተካል ጠቕሊሉ ከልዕሎ ይገባእ፡፡
13. ተጫራቲ ነቲ ዝሰዓሮ ንብረት ኣብ ውሽጢ 15 መዕልቲ ጠቕሊሉ ካብ ትካል እንተዘይ ኣልዒሉዎ እቲ ዘትሓዞ 10% ናይ ስራሕ ኣፈፃፅማ ተወሪሱ እቲ ንብረት ናብ ተካል ኣታዊ ኮይኑ ከም ኣድላይነቱ ዳግም ናብ ጨረታ ክወፅእ ይግበር፡
14. ተጫረቲ ንቲ ንብረት ኣብ ስራሕ ስዓት ኣብቲ ቦታ ብኣካል ተረኺቦም ክሪኡ ይኸእሉ እዮም
15. ትካል ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፣
16. ተወሳኺ ሓበሬታ እንተድልዩ ኣብ ዋና ቢሮ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ሳልሳይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 313 ብኣካል ብምቕራብ ወይ ድማ ብ0963095665 ብምድዋል