ኢዛና መዓድን ልምዓት ኩባንያ

ምልክት ግልፂ ጨረታ

ናይ ዝተፋላለዩ ዘገልገሉ ሓፃዊንን ቆርቆሮታትን አወዳዲሩ ንምሻጥ ዝወፀ ግልፂ ጨረታ ኩባንያና ኢዛና መዓድን ልምዓት ሓላ/ዝተ/ውኩ ናይ ዝተፋላለዩ ዘገልገሉ ሓፃዊንን ቆርቆሮታትን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ንምሻጥ ስለ ዝደለየ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ መዕቀኒታት እተማልኡ ተወዳደርቲ እዞም ኣብ ታሕቲ ዝተዘርዘሩ ንብረታት ንኸትዕድጉ ክትሳተፉ ኩባንያና ይዕድም ::

ናይ ጨረታ ረቛሒን ኩነታትን

1. ናይ'ዚ ጨረታ ተሳታፊ ናይ 2018 ዓ.ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፈቓድ ከቅርብ ዝኽእል ክኸውን ኣሎዎ።

2. ተጫረቲ ዝተሓደሰ ንግድ ፈቓድን ግብሪ ከፋሊ ምዝገባ ምስክር ወረቀትን ተወሳኺ እሴት ታክስ (vat) ሰነዳት ዝምለስ ኦርጅናልን ዘይምለስ ፎቶ ኮፒ ብምትሕሓዝ ናይ ሓደ ዋጋ ብኪሎ ግራም ብምንፃር ብዝተዓሸገ ፖስታ ዋጋኦም ካብ ዕለት 12/09/2018 ዓ.ም. ክሳብ 3/10/2018 ዓ.ም. ሰዓት 4:00 ንጉሆ ናብ ዋና ቤት ፅሕፈት ሽረ ብምእታው ናብ ዋና ቢሮ መቐለ ድማ ክሳብ ዕለት 5/10/2018 ዓ/ም እናቐረቡ ነዚ ጨረታ ናብ ዝተዳለወ ሳንድቕ ወይ ብኣካል ክህቡ ይግባእ፡፡

3. ጨረታ ዝኽፈተሉ ኣብ ዋና ቢሮ መቐለ ምስተኣከበ ዕለት 5/10/2018 ዓ.ም. ሰዓት 4:00 ንጉሆ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:30 ድሌት ዘለዎም ተጫረቲ ወይም ወከልቶም ኣብ ዘለውዎ ይኽፈት፤እንተዘይተረኺቦም እውን ናይ ጨረታ ዶክሜንቶም ተተማሊኡ ዝኽፈት ይኸውን፡፡

4. ተጫረቲ ሓደ ኦርጅናልን ፋይናንሻል ፕሮፖዛል ዓሺጎም ናብ ዝተዳለወ ጨረታ ሳንዱቕ ክእትዉ ይግባእ።

5. ትካልና እቲ ጨረታ ብምሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

ንዝበለፀ ሓበሬታ

ናብ ዋና ቢሮና(ኢዛና መዓድን ልምዓት ሓላ.ዝተውኩ እንዳማርያም ጉግሳ ዉርድ ኢልካ ጨርቆስ ህንፃ መቐለ) ኣብ ሽረ ድማ ኣብ ቀበሌ 05 ድሕሪ ሓዳስ ሆቴል ብኣካል ብምኻድ ሓበሬታ ክረኽቡ ይክእሉ ወይ ድማ ናይ መቐለ ብ ስ.ቁ 0914758742 ወይ 0914017973 ኣብ ሽረ ድማ 0968892389 ክድዉሉ ይኸእሉ።