ግልፂ ጨረታ (Open Bid)
ትካልና መስፍን ብረታ ብረት እና ኢንጂነሪንግ ሓላ/ዝተ/ው/ማሕበር ብግልፂ ጨረታ (Open Bid) ንBillboard ኣወዳዲሩ ከስርሕ ስለዝደሊ ኣብ ታሕቲ ብዝተዘርዘሩ መዐቐኒታት መሰረት ኣብዚ ጨረታ ንክትሳተፉ ትካልና ይዕድም ፡
ሰደቓ:- 01. ናይ ዝግዛእ ንብረት ዝርዝር
| S.No | Description | UOM | Qty | Unit Price | Total Price | Remark:-(ዝድለ ዓይነት) Billboard Specification |
|---|---|---|---|---|---|---|
| 1 | Billboard | Pieces | 1.00 | Billboard Mica with one side light 6m * 1m with compny logo - Material, Iron Frame, Mica & light | ||
| 2 | Billboard | Pieces | 4.00 | Billboard Mica with both side light 3m*2m with company logo - Material, Iron Frame, Mica & light |
ናይ ጨረታ ረቛሒን ኩነታትን
1. ናይ'ዚ ጨረታ ተሳተፍቲ ናይ 2018 ዓ.ም በቲ ዘርፊ ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፈቓድ ከቕርቡ ዝኽእሉ ፣
2. ተጫረቲ ብር 300.00(ሰለስተ ሚእቲ ብር) ብምክፋል ካብ ዕለት 10/09/2018 ዓ.ም ክሳብ ዕለት 24/09/2018 ዓ.ም ሰዓት 11:00 ድሕሪ ቐትሪ ዘሎ ጊዜ ሰነድ ጨረታ ምዕዳግ ይኽእሉ፣
3. ተጫረቲ ዝተሓደሰ ንግድ ፈቓድ፣ንግዲ ምዝገባ ምስክር ወረቐት፣ግብሪ ከፋሊ ምዝገባ ወረቀትን ተጨማሪ እሴት ታክስ ተመዝጋቢ ምዃኖም ዝገልፅን ናይ ወርሒ ሚያዝያ/መጋቢት 2018 ዓ.ም ቫት ዝተኸፈለሉን ካልኦት ኣድለይቲ ሰነዳትን ብምምላእ ፣ ኦርጅናል ቴክኒካል ዶክመንትን ምስ ሓደ ኮፒ ፣ ፋይናሻል ዶክመንት ምስ ሓደ ኮፒ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖስታ ብምዕሻግ ኩሉ ጊዜ ብስራሕ ሰዓት ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ኮርፖሬት ዕደጋ ክፍሊ ናይ ጨረታ ዶክመንት (ሰነድ) ካብ ዕለት 10/09/2018 ዓ.ም ጀሚሩ ክሳብ 25/09/2018 ዓ.ም ንተኸታተልቲ ስራሕ መዓልትታት እስካብ ሰዓት 4:00 ነዚ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ጨረታ ሳንዱቕ ከእትዉ ኣለዎም፡፡
4. ጨረታ ዕለት 25/09/2018 ዓ.ም ሰዓት 4:00 ንጉሆ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:30 ድሌት ዘለዎም ተጫረቲ ወይም ወከልቶም ኣብ ዘለውዎ ይኽፈት " ናይ ጨረታ ዶክመንት እንተተማሊኡ ተጫረቲ ኣብ መኽፈቲ እንተዘይተረኺቦም እውን እቲ ጨረታ ዝኸፈት ይኸዉን።
5. ተጫረቲ ናይ ጨረታ መኽበሪ ብሲፒኦ (CPO) ብር 40,000.00( ኣርባዓ ሽሕ ብር) ምስ ኦርጅናል ቴክኒካል ጨረታ ዶክመንት አተሓሒዞም ከእትዉ ይግባእ።
6. ተጫረቲ ኣብ ናይ ካሊእ ተጫራታይ ዋጋ ተደሪኾም ዋጋ ምእታው ኣይክእሉን፡ ኣብ ሕድሕድ ገፅ ናይ ጨረታ ዶክመንት ናይ ተጫራታይ ማህተምን ፊርማን ክዓርፎ ኣለዎ።
7. ኣብ ጨረታ ሳንዱቕ ዝኣተወ ፖስታ ብምለሱለይ ብምንም መልክዑ ክምለስ ኣይከኣልን።
8. ተጫረቲ ኣብ ዋጋ መቕረቢ ሰነድ ዘቕረብዎ ዋጋ ኩነታት ሻት ብግልፂ ዝሓወሰ ወይ ዘይሓወሰ ምዃኑ ክጠቕሱ ይግባእ እንተዘይተጠቒሱ ግና እቲ ዘቕረብዎ ዋጋ ሻት ከምዝሓወሰ ተገይሩ ይሕሰብ፡፡
9. ተጫረቲ እቲ ዘቕረብዎ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ ግዜ (Price Validity) ብግልፂ ከቐምጡ ይግባእ።
10.ተጫረቲ ኣብ ቕድመ ኩነታት ዝተመስረተ ዋጋ እንተመሊኦም ዘቕረብዎ ዋጋ ተቐባልነት
የብሉን፤ ናይ ተጫረቲ ድምርን ካልኦት ጌጋታት እንተሃልዩ ተጫራታይ ባዕሉ ሓላፍነት ይወስድ። ትካልና ናይ ተጫረታይ ስልሒት ጌጋታት ናይ ምእራም ሓላፍነት የብሉን።
11.ተጫረቲ ዘእትውዎ ዋጋ ስርዝ ድልዝን ናይ ስልሒትን ድምርን ጌጋ እንተሃልዩ ናብ ውድድር ኣይቐርቡን።
12. ሰዓሪ ተጫራታይ ምስዓሩ ምስተነገሮ ኣብ ዉሽጢ 3ተ መዓልቲ ዉዕሊ ክኣስር ይግባእ፣ እንተዘይኮይኑ ግና ንመኸበሪ ጨረታ ዘትሐዝዎ ሲፒኦ(CPO) ንትካል ኣታዊ ኮይኑ ትካል ካሊእ መማረፂ ይወስድ"
13. ናይዚ ጨረታ ሰዓራይ ናይ ዉዕሊ መኽበሪ (Unconditional Performance Guarantee) ንክልተ ወርሒ ዝፀንሕ ናይ ጠቕላላ ዋጋ 10% ብCPO ከትሕዙ ይግባእ። ሰዓራይ ተጫረታይ እቲ ዝሰዓሮ Billboard ካብ 10-15 ኣብ ዘሎ መዓልትታት ውሽጢ ሰሪሑ ከቕርብ ዝኽእል ክኸውን ይግባእ። እንተዘይኾይኑ ግና ንውዕሊ መኽበሪ Performance Guarantee ዘትሓዝዎ 10% ናብ ትካል ኣታዊ ኾይኑ ትካል ኻሊእ መማረፂ ይወስድ።
14. መረከቢ ቦታ መቐለ መስፍን ብረታ ብረትና ኢንጂነሪንግ ሓላ/ዝተ/ው/ማሕበር ኩባንያ ዋና ቢሮ እዩ፡፡
15. ትካልና እቲ ጨረታ ብምሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።
ንዝበለፀ ሓበሬታ፦
ናብ ዋና ቢሮና ብኣካል ብምምፃእ ሓበሬታ ክረኽቡ ይኽእሉ ወይ ድማ ብስ.ቁ 0914708567/0914745542 ክድዉሉ ይኸእሉ።