ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ኣፅቢ

1 ተጫረቲ ግልጋሎት ዘይህባ ተሽከርከርቲ : ጀነሬተራት : መብራህቲ : ሞተር ናይ ማይ ብናይ ባዕሉ ወፃኢ ክወስድ ዝክእል

2 ሌብሬ ዘለዎን ይኩን ተሽከርከርቲ መዘወሪ ብናይ ባዕሉ ወፃኢ ከዛዉር ዝክእል

3 ሰነድ ዝሽወጠሉ ቦታ ኣብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ኣፅቢ ከይዲ ስራሕ ዕድጋን ምምሕዳር ንበረትን ወረዳ ኣፅቢ ቢሮ ቁፅሪ 4 ኮይኑ ካብ ዕለት 10/9/2018 ዓም ክሳብ 17/9/2018 ዓም ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ኮይኑ መዓደጊ ሰነድ 200 ቅርሺ ከፊሎም ክወስዱ ይክእሉ

4 ጨረታ ዕለት 25/9/2018 ዓም ሰዓት 5:00 ተዓሺጉ ብተመሳሳሊ 25/9/2018 ዓም ሰዓት 530 ይክፈት ተጫረቲ ድሐሪ ሳንዱቅ ጨረታ ምክፋቱ ኣይጫረትን ምባል ኣይፍቀድን ከምኡ ንዝበለ መከበሪ ጨረታ ኣይምለሰሉን

5 መከበሪ ጨረታ ተሽከርከርቲ 15000 ቅርሺ: ንካሊእ ንብረት 2000 ቐርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብስፒኦ ከትሕዝ ዝክእል

6 እቲ ዉድድር ዓይነት ብዓይነት ይከዉን

7 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ሙሉእ ብመሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ