ምልክታ ግልፂ ጨረታ ህንፃ መሳርሒ
ዋሕስ ናይ ገዛ ቁጠባን ህንፀትን ኣ/ማ ኣብ ዓዲ-ሓ ንዘስርሖ ዘሎ lot-1 ህንፃ ኣገልግሎት ዝውዕሉ ናይ ሳኒተሪ ኣቑሑት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለ ዝደለየ ነቲ ዝተቀመጠ ረቋሕታት እተማልኡ ሕጋውያን ነጋዶ
ንክትወዳደሩ ይዕድም፤
1. ተጫረትቲ በቲ ዘርፊ ናይ 2017 ዓ/ም (2018 ዓ/ም) ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ስራሕ ፍቃድ ፣ናይ ቫት ተመዝገብቲ መረጋገፂ ምስክር ወረቀት፣ናይ ግብሪ ከፋሊ ምስክር ወረቀት (TIN) ፣ ኣብ ናይ መንግስቲ መቅረባይነት ዝርዝር ዝተመዝገቡ ምዃኖም ምስክር ወረቀት ኮፒ ጌሮም ከቅርቡ ዝኸእሉ፤
2. ተጫረትቲ ብር 40,000 (ኣርባዓ ሽሕ) ናይ ጨረታ መኽበሪ ውሕስና ካብ ዝተፈለጠ ባንኪ ናይ ክፍሊት መአዘዚ(cpo) ብሽም ዋሕስ ናይ ገዛ ቁጠባን ህንፀትን ኣ/ማ ከትሕዙ ዝኽእሉ፡
3. ተጫረቲ ሓደ ኦርጅናልን ሓደ ኮፒን ዶክመንት ኣብ ዝተፋላለየ (ነንበይኑ) ፖስታ ብምዕሻግ ድሕሪኡ ኣብ ሓደ ዓብይ ፖስታ ዓሽጎም ብምቅራብ ናይ ድርጅቶም ማህተም ኣብ ሕድሕድ ሰነድ ጨረታ ብንፁር ብምግባር ከቅርቡ ኣለዎም። ስፒኦ(cpo) ድማ ንበይኑ ፖስታ ተዓሽጉ ምስ መወዳደሪ ዶክመንት ተተሓሒዙ ክቀርብ ኣለዎ፤
4. ተጫረቲ ዋጋ ካብ ናይ ባዕልና ሰነድ ጨረታ ወፃኢ ምምላእ ኣይከኣልን፤
5. ተጫረትቲ ዘይምለስ ብር 300.00 (ሰለስተ ሚኢቲ) ብምኽፋል ሰነድ ጨረታ ካብ መቐለ ዋና ቤት ፅሕፈት
ዋሕስ ናይ ገዛ ቁጠባን ህንፀትን ኣ/ማ ቢሮ ቁፅሪ: - 212 ክፍሊ ዕደጋን ፋይናንስን ምውሳድ ይኸእሉ።
6. ዝሰዓረ ተጫራታይ ሰዓራይነቱ ምስ ተነገሮ ካብ ዝሰዓሮ ጠቅላላ ዋጋ 10%(ዓሰርተ ፐርሰንት) መኽበሪ ውዕሊ ካብ ዝተፈለጠ ባንኪ ናይ ክፍሊት መአዘዚ (cpo) ብሽም ዋሕስ ናይ ገዛ ቁጠባን ህንፀትን ኣ/ማ ኣትሒዙ ኣብ ውሽጢ 3 መዓልቲ ዉዕሊ ክኣስር ዝኽእል፤
7. ዝሰዓረ ተጫራቲ ዝሰዓሮ ንብረት ኣብ ዓዲ 'ሓ' ናብ ዝርከብ ሳይትና ብናይ ባዕሉ ትራንስፖርት (መጓዓዓዝያ)መፅዓንን መራገፍን መሰል ወፃእታትን ሓዊሱ ውዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 5 መዓልቲ ከረክብ ዝክእል፡
8. እቲ ጨረታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት 07/09/2018 ክሳብ 15/09/2018 ዓ/ም ኣብ ኣየር ዝፀንሕ ኮይኑ ሳፅን ጨረታ ዕለት 15/09/2018 ዓ/ም ሰዓት 9:30 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 10:00 ቅድሚ ቀትሪ ተጫረትቲ ወይ ሕጋውያን ወኪላቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ትካልና ቢሮ ቁፅሪ‐2 ይኸፈት: ተጫረትቲ ብናይ ባዕሎም ድሌት ኣብ ስነ ስርዓት ምኽፋት ጨረታ እንተዘይተረኺቦም ትካልና ጨረታ ሰነድ ናይ ምኽፋት መሰሉ ዝተሓለወ እዩ::
9. እቲ ብተጫረትቲ ዝምላእ ዋጋ ቫት ሓዊሱ ብናይ ኢትዮጵያ ብር ይኸውን፤
10. ናይ ጨረታ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ ግዜ 15 መዓልቲ እዩ፤
11. ትካልና ብድሌቱ ክሳብ 20% መጠን እቲ ጨረታ ክዉስኸ ወይ ክቅንስ ይኽእል፤
12. ትካልና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እዚ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉው እዩ።
ኣድራሻና: - ኣብ ሮማናት ኣደባባይ ባንኪ ኣቢሲንያ ኣብ ዝርከበሉ ህንፃ 3ይ ደብሪ ዋሕስ ናይ ገዛ ቁጠባን ህንፀትን ኣ/ማ ንርከብ፤ንተወሳኺ ሓበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0967-568418/0914766793 ይደውሉ።