ዘ ዳውተርስ ቻሪቲይ

ምልክታ ፐርፎርማ

ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ ተሓባበሪ ቢሮ ከልል ትግራይ ኣብ ትሕቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሰበኻ ዓዲ ግራት ንዝተፈላለዩ ናይ ሕብረተሰብ ክፋላት ኣብ ትምህርቲ፤ ጥዕናን ልምዓትን ካልኦት ማሕበራዊ ፀንማትን ኣገልግሎትን ሓገዝን እናበርከተ ዝርከብ ገባሪ ሰናይ ትካል እዩ፡፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ክልልና ምስ ት/ቲ ቢሮ ብሓባር ብምኻን ፍርያት ሃገር ብዝኾነ ምግቢ ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዜ ተምሃራይ ከምገብ እናገበረ ዝርከብ ትካል እዩ። ብተመሳሰሊ ንዝተፈላለዩ ፅንማት መራሕቲ ስድራ ናይ ምግቢ እታትን መድሓኒትን ናዉቲ መድሓኒትን ከምኡ እዉን ካልኦት ናይ ሕርሻ እታወታትን እናበፅሐ ዝፀንሐን ዘሎጉ ትካል እዩ። በዚ መሰረት ድማ ትካልና ካብ ገባሪ ሰናይ ትካል GG ብዝተረኸበ ሓገዝ ፥-

1. ናዊቲ ኣብያተ ት/ቲ (Furniture materials ኣወዳዲሩ ክፅግን ስለዝደለየ፦

➢ በቲ ዘርፊ ሕጋዊያን ዝኾንኩምን ተጫረቲ ካብ ዕለት 15 /05/2026 ኣ/ፈ ክሳብ ዕለት 19/05/ 2026 ኣ/ፈ ኣብ ዘሎ ግዜ ካብ ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ ትግራይ መተሓባበሪ ቤት ፅሕፈት ክትወስዱ ትኽእሉ።

➢ ተወዳደርቲ ዘቕርብዎ ደረሰኝ ናይ መሽን ወይ ካብ ብርሃንንና ሰላም ማተምያ ቤት ዝተሓተመ ክኸዉን ኣለዎ ነባር ደረሰይ እንተኾይኑ ድማ ድጋፍ ደብዳቤ ካብ ዝምልከቶ ከምፅእ ይግደድ።