ምልክታ ፕሮፎርማ
ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ መተሓባበሪ ቢሮ ክልል ትግራይ ኣብ ትሕቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሰበኻ ዓዲ ግራት ንዝተፈላለዩ ናይ ሕብረተሰብ ክፋላት ኣብ ትምህርቲ፤ ጥዕናን ልምዓትን ካልኦት ማሕበራዊ ፀገማትን ኣገልግሎትን ሓገዝን እናበርከተ ዘርከብ ገባሪ ሰናይ ትካል እዩ። ብፍላይ ድማ ኣብ ክልልና ምስ ት/ቲ ቢሮ ብሓባር ብምኻን ፍርያት ሃገር ብዝኾነ ምግቢ ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዜ ተምሃራይ ክምገብ እናገበረ ዝርከብ ትካል እዩ። ብተመሳሰሊ ንዝተፈላለዩ ፅጉማት መራሕቲ ስድራ ናይ ምግቢ እታወትን መድሓኒትን ናዉቲ ሕክምናንን ከምኡ እዉን ካልኦት ናይ ሕርሻ እታወታትን እናባፅሐ ዝፀንሐን ዘሎን ትካል እዩ። በዚ መሰረት ድማ ትካልና ካብ ዝተፈላለዩ ገበርቲ ሰናይ ትካላት ብዝተረኸበ ሓገዝ መሰረት
1 Se Construction materials and Water materials ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ስለዝደለየ
➢ በቲ ዘርፊ ሕጋዉያን መቐረብቲ ዝኾንኩም ፕሮፎርማ ካብ ዕለት 12/05/2026 ኣ/ፈ ክሳብ ዕለት 14/05/ 2026 ኣ/ፈ ስዓት 8:30 ድሕሪ ስዓት ኣብ ዘሎ ግዜ ካብ ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ ትግራይ መተሓባበሪ ቤት ፅሕፈት ክ/ከተማ ዓዲ ሓቂ ጥቓ ዓይኒ ሕክምና ቢሮ ቁፅሪ 12 ዕደጋ ክፍሊ ክትወስዱ ትኽእሉ ምዃንኩም።
➢ እቲ ፕሮፎርማ ካብ ዕለት 14 /05/ 2026 ኣ/ፈ ስዓት 8:30 (local time) ንዳሓር ዘይነተኣናግድ ምዃና ንሕብር
➢ ዝተኣከበ ፕሮፎርማ ዕለት 15/05/ 2026 ኣ/ፈ ስዓት 9:00 (local time) ኣብ ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ ሙተሓባበሪ ትግራይ ይኽፈት ::
መብርሂ ኣብ ጨረታ ክሳተፍ ዝኽእል ሓዱሽ ቅብሊት ካብ ብርሃንና ሰላም ማተምያ ዘሐተመ ወይ ካሽ ረጅስተር መሽን ዘለዎ ጥራሕ ምዃኑ ነፍልጥ::