መስፍን ኢንዱስትሪያል ኢንጂነሪንግ ኋ/የተ/የግ/ማህበር

ግልፂ ጨረታ (Open Bid)

ትካልና መስፍን ብረታ ብረት እና ኢንጂነሪንግ ሓላ/ዝተ/ው/ማሕበር ብግልፂ ጨረታ (Open Bid) ንLaptop Computer ከምእ'ውን Desktop Computer ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደሊ ኣብ ታሕቲ ብዝተዘርዘሩ መዐቐኒታት መሰረት ኣብዚ ጨረታ ንክትሳተፉ ትካልና ይዕድም ፡

ሰደቓ:- 01. ናይ ዝግዛእ ንብረት ዝርዝር

S.NoDescriptionUOMQtyUnit PriceTotal PriceRemark:- ዝድለ ዓይነት ኮምፒተርን ላፕቶፕ)
1Laptop ComputerPieces11.00Specification, as per the attached specification one(1) page
2Desktop ComputerPieces6.00Specification, as per the attached specification two(2) pages
Total in Birr
VAT 15%
Total in Birr with Vat

ናይ ጨረታ ረቛሒን ኩነታትን

1. ናይ'ዚ ጨረታ ተሳተፍቲ ናይ 2018 ዓ.ም በቲ ዘርፊ ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፈቓድ ከቕርቡ ዝኸእሉ ፣

2. ተጫረቲ ብር 300.00(ሰለስተ ሚእቲ ብር) ብምክፋል ካብ ዕለት 21/08/2018 ዓ.ም ክሳብ ዕለት 05/09/2018 ዓ.ም ሰዓት 11:00 ድሕሪ ቐትሪ ዘሎ ጊዜ ሰነድ ጨረታ ምዕዳግ ይኽእሉ ፣

3. ተጫረቲ ዝተሓደሰ ንግድ ፈቓድ፣ንግዲ ምዝገባ ምስክር ወረቐት፣ግብሪ ከፋሊ ምዝገባ ወረቀትን ተጨማሪ እሴት ታክስ ተመዝጋቢ ምዃኖም ዝገልፅን ናይ ወርሒ መጋቢት/የካቲት 2018 ዓ.ም ቫት ዝተኸፈለሉን ካልኦት ኣድለይቲ ሰነዳትን ብምምላእ ፣ ኦርጅናል ቴክኒካል ዶክመንትን ምስ ሓደ ኮፒ ፣ ፋይናሻል ዶክመንት ምስ ሓደ ኮፒ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖስታ ብምዕሻግ ኩሉ ጊዜ ብስራሕ ሰዓት ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ኮርፖሬት ዕደጋ ክፍሊ ናይ ጨረታ ዶክመንት (ሰነድ) ካብ ዕለት 21/08/2018 ዓ.ም ጀሚሩ ክሳብ 06/09/2018 ዓ.ም ንተኸታተልቲ ዓሰርተ ሽዱሽተ (16ተ)ናይ ስራሕ መዓልትታት እስካብ ሰዓት 4:00 ነዚ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ጨረታ ሳንዱቕ ከእትዉ ኣለዎም፡፡

4. ጨረታ ዕለት 06/09/2018 ዓ.ም ሰዓት 4:00 ንጉሆ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:30 ድሌት ዘለዎም ተጫረቲ ወይም ወከልቶም ኣብ ዘለውዎ ይኸፈት ፡ ናይ ጨረታ ዶክመንት እንተተማሊኡ ተጫረቲ ኣብ መኽፈቲ እንተዘይተረኺቦም እውን እቲ ጨረታ ዝኸፈት ይኸዉን።

5. ተጫረቲ ናይ ጨረታ መኽበሪ ብሲፒኦ (CPO) ብር 85,000.00( ሰማንያን ሓሙሽተን ሽሕ ብር)ምስ ኦርጅናል ቴክኒካል ጨረታ ዶክመንት አተሓሒዞም ከእትዉ ይግባእ፡፡

6. ተጫረቲ ኣብ ናይ ካሊእ ተጫራታይ ዋጋ ተደሪኾም ዋጋ ምእታው ኣይክእሉን፡፡ ኣብ ሕድሕድ ገፅ ናይ ጨረታ ዶክመንት ናይ ተጫራታይ ማህተምን ፊርማን ክዓርፎ ኣለዎ።

7. ኣብ ጨረታ ሳንዱቕ ዝኣተወ ፖስታ ብምለሱለይ ብምንም መልክዑ ክምለስ ኣይከኣልን።

8. ተጫረቲ ኣብ ዋጋ መቕረቢ ሰነድ ዘቕረብዎ ዋጋ ኩነታት ቫት ብግልፂ ዝሓወሰ ወይ ዘይሓወሰ ምዃኑ ክጠቕሱ ይግባእ፡፡ እንተዘይተጠቒሱ ግና እቲ ዘቕረብዎ ዋጋ ቫት ከምዝሓወሰ ተገይሩ ይሕሰብ፡፡

9. ተጫረቲ እቲ ዘቕረብዎ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ ግዜ (Price Validity) ብግልፂ ከቐምጡ ይግባእ።

10.ተጫረቲ ኣብ ቕድመ ኩነታት ዝተመስረተ ዋጋ እንተመሊኦም ዘቕረብዎ ዋጋ ተቐባልነት የብሉን፤ ናይ ተጫረቲ ድምርን ካልኦት ጌጋታት እንተሃልዩ ተጫራታይ ባዕሉ ሓላፍነት ይወስድ። ትካልና ናይ ተጫረታይ ስልሒት ጌጋታት ናይ ምእራም ሓላፍነት የብሉን።

11.ተጫረቲ ዘእትውዎ ዋጋ ስርዝ ድልዝን ናይ ስልሒትን ድምርን ጌጋ እንተሃልዩ ናብ ውድድር ኣይቐርቡን።

12. ሰዓሪ ተጫራታይ ምስዓሩ ምስተነገሮ ኣብ ዉሽጢ 3ተ መዓልቲ ዉዕሊ ክኣስር ይግባእ፣ እንተዘይኮይኑ ግና ንመኸበሪ ጨረታ ዘትሐዝዎ ሲፒኦ(CPO) ንትካል ኣታዊ ኮይኑ ትካል ካሊእ መማረፂ ይወስድ፡፡

13. ናይዚ ጨረታ ሰዓራይ ናይ ዉዕሊ መኽበሪ (unconditional Performance Guarantee) ንክልተ ወርሒ ዝፀንሕ ናይ ጠቕላላ ዋጋ 10% ብCPO ከትሕዙ ይግባእ። ሰዓራይ ተጫረታይ እቲ ዝሰዓሮ ንብረት ካብ 15-20 ኣብ ዘሎ መዓልትታት ውሽጢ ከቕርብ ዝኽእል ክኸውን ይግባእ። እንተዘይኾይኑ ግና ንውዕሊ መኽበሪ Performance Guarantee ዘትሓዝዎ 10% ናብ ትካል ኣታዊ ኾይኑ ትካል ኻሊእ መማረፂ ይወስድ።

14. መረከቢ ቦታ መቐለ መስፍን ብረታ ብረትና ኢንጂነሪንግ ሓላ/ዝተ/ው/ማሕበር ኩባንያ ዋና

ቢሮ እዩ፡፡

15. ትካልና እቲ ጨረታ ብምሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

ንዝበለፀ ሓበሬታ፦

ናብ ዋና ቢሮና ብኣካል ብምምፃእ ሓበሬታ ክረኽቡ ይኽእሉ ወይ ድማ ብስ.ቁ 0914708567/0914745542 ክድዉሉ ይኸእሉ።