1 ካብ ዝምልክቶ በዓል መዚ ዝተዉሃቦ ሓርበኛ ምስክር ወረቀት ከቅርብ ዝክእል
2 ናይ 2018 ዓም ናይ ዞም ዝስዕቡ ዝተሐደሱ ብቤት ፅሕፈት ዘፈር ቁጠባ ልመዓት እቶትን ደቀቅቲን ኣናሽተይን ንግዲ ትካላትን ኣናሽተይን ማእክለቶትን ማኑፋክቸሪንግ ዝተዉሃበ ብርኪ ትካል ምስክር ወረቀት ንግዲ ምዝገባ ምስክር ወረቀት ንግዲ ስራሕ ፈቃድ ኮንስትራክሽን ተኮናተራይነት ብቅዓት መረጋገፂ ምዝግባ ካርድ ናይ ግበሪ ከፋላይነት መፍለይ ቁፅሪ መቅረባይነት ምስክር ወረቀት ቫት ምዝጋባ ምስክር ወረቀት ናይ ዝሐለፈ ወርሒ ናይ ቫት ዲክለሪሽን ዘቅርብ
2 መከበሪ ጨረታ ብር 15000 ካብ ዞም ዝስዕቡ ብሐዲኦም መልክዕ ዝቀርብ ኮይኑ ብናይ ኢትዩጰያ ብሄራዊ ባንኪ ካብ ዝተፈቀደሎም ባንከታት ወይ ፋይናንሳዊ ትካላት ዝዉሃብ ኣብ ኩነታት ዘይተመሰረተ ዉሕስና ባንኪ ወይ ፋይናንሳዊ ትካላት ብዘረጋገፆ ስፒኦ ናብ ቤት መዘጋጃ ከተማ እንትጮ ከይዲ ስራሕ ዝተወደደ መሰረት ልምዓት ኢሎም ከትሕዙ አለዎም ዘስርሕዎ ስፒኦ ድማ ኣብ ከተማና ዝርክቡ ዝተፈቀደሎም ባንኪታት ወይ ፋይናንሳዊ ትካላት ዝተሰረሐ ክከዉን አለዎ
3 ቫት ተመዝገብቲ ንዝኮኑ ደቀቅቲን ኣናሽተይን ንግዲ ትካላት ሓርበኛ ኮንትራክተራት ጥራሕ ይምልክተ
4 ተጫረቲ ናይቲ ዝጫረትሉ ፕሮጀክት ስራሕቲ ሳይት ካብ ዝተረከብሉ ዕለት ጀሚሩ አብ ዉሽጢ ተከታታሊ 30 መዓልቲታት መሉእ ብመሉእ ዛዚሞም ከረክቡ አለዎም
5 ተጨረቲ ብቤት መዘጋጃ እንትጮ ከይዲ ስራሕ ዝተወደደ መሰረተ ልምዓት ዝተዳለወ ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 8/8/2018 ዓም ጀሚሩ ካብ ቤት መዘጋጃ ከተማ እንትጮ ዝርከብ ከይዲ ስራሕ ዝተወደደ መሰረተ ልምዓት ካብ ቢሮ ቁፅሪ 12 ሰነድ ጨረታ 1500 ብር ኣብ እቶት ቤት መዘጋጃ ከተማ እንትጮ እናከፈሉ ምዉሳድ ይክእሉ መገዝኢ ደረሰኝ ዘየቅረበ ተቀባልነት ዘይብሉ ምካኑን ነፍልጥ
6 ተጫረቲ ዝመልእዎ ዋጋ ጨረታ ሰነድ ሐደ መሉእ ኦርጅናል ደኩመንትን ክልተ ፎቶ ኮፒን ናይዞም ቀፂሎም ዝተገለፁ ዝርዝር ሰነዳት ዝርዝር ስፐስፊከሽን ስራሕቲ መጠቀለሊ ድምር ዋጋ ስእልን ዲዛይንን መከበሪ ጨረታ ቤት ፅሕፈት ዘፈር ቁጠባ ልምዓት ደቀቅቲ ኣናሽተይን ንግዲ ትካላት ኣናሽተይን ማእከሎት ማኑፋክቸር ኢንዳስትሪ ዝተዉሃቡ ብርኪ ትካል ምስክር ወረቀት ናይ ሐርበኛ ምስክር ወረቀት ናይ ንግዲ ምዝገባ ምስክር ወረቀት ንግዲ ስራሕ ፈቃድ ናይ ኮንስትራክሽን ተኮናተራይነት ምዝገባ ካርድ ናይ ግብሪ ከፋሊ ምዝግባ ሰርተፊኬት ቫት ምዝገባ ምስክር ወረቀት ናይ ዝሐለፈ ወርሒ ናይ ቫት ዲክላሪሽን መቅረባይነት ሰርትፊኬት ሰነዳት ኣብ ዝተፈላለየ ፖስታ ምስዓሸጉ ኩሎም ፖስታታት ኣብ ካሊእ ዓብይ ፖስታ መሊሶም ብምዕሻግ ናይ ባዕሎም ሽምን ኣድራሻን ብተወሳኪ ናይቲ ዝጫረትሉ ፕሮጀክት ሽም ኣብ ልዕሊ እቲ ዓብይ ፖስታ ብዝረአ ቀለም ብምፅሓፍ ነቲ ጨረታ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ቁፅሪ ቢሮ 12 ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ክሳብ 27/8/2018 ዓም ሰዓት 3:00 ቅድሚ ቀትሪ ብኣካል ብምምፃእ ከእትዉ አለዎም
7 ተጫረቲ እቲ ጨረታ ሰነድ ብዉነ ተረዲኦም ዋጋ ብምምላእ ፊርሞምን ማህተሞምን ብምዕራፍ እቲ ጨረታ ሰነድ ከምቲ ክሽየጥ ከሎ ዝነበረ ከያጎደሉ ከቅርቡ አለዎም
8 እቲ ጨረታ ኩሎም ተጫረቲ ኣብ ዝተረክብሉ 29/8/2018 ዓምሰዓት 3:30 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ ልክዕ ሰዓት 4:00 ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ቤት መዘጋጃ ከተማ እንትጮ ከይዲ ስራሕ ዝተወደደ መሰረት ልምዓት ቢሮ ቁፅሪ 12 እቲ ጨረታ ይክፈት
9 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታቨ መሉእ ብመሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
ንተወሳኪ ሐበሬታ 0914113996 0914424980