የትግራይ ኮሙኒኬሽን ጉዳዮች ቢሮ

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ኣብ ርእሰ ዋኒኑ ከምዝተገለፀ ቢሮ ጉዳያት ኮሙኒኬሽን ክልል ትግራይ ኣብ በጀት ዓመት 2018 ዓ/ም ብቢሮና ንዝሕተም መቓልሕ ጋዜጣ ዝተወሰና ሕታማት ብግልፂ ጨረታ ከወዳድር ይደሊ፡፡

1. ጨ.ቑ ቤ.ፅ.ት.ጉ.ኮ/ሕት - 03/2018 ናይ መቓልሕ ጋዜጣ ሕትመት

በዚ መሰረት ኣብዚ ጨረታ ክትሳተፉ እትደልዩ ተወዳደርቲ እተማልእዎ ሮቑሓ -

1. ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ቫት ተመዝገብቲን ናይ መወዳእታ ወርሒ ቫት ሪፖርት መፍለይ ቑፅሪTኣብ ዝርዝር መቕረብቲ ዝተመዝገቡ ምኻኖም መረዳእታ /መቅረባይነት/ከቅርቡ ዝክእሉን ኣብቲ ሰነድ ጨረታ ብዝተቀመጠ ዝርዝር መዐቀኒታት ዘማልኡን

2. መኽበሪ ጨረታ፣

➢ መቓልሕ ጋዜጣ ብር 5,000.00/ሓሙሽተ ሽሕ ብር/ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ C.P.O ከትሕዙ ዝኽእሉ

3. ዋጋ ሰነድ ጨረታ፡

ዘይምለስ ብር 100.00/ሓደ ሚኢቲ ብር/ ብምኽፋል ጨረታ ሰነድ ካብ ቤት ፅ/ት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ክልል ትግራይ ዳሬክቶሬት ዕደጋን ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ቢሮ ቑፅሪ 8 ንተኸታታሊ ካብ ዕለት 12/08/2018 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 26/08 /2018ዓ.ም ኣብ ዘሎ ናይ ስራሕ ጊዜ መፂኹም ምግዛእን ንኡ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ናይ ጨረታ ሰነድ ምእታው ትክእሉ፣

4. ጨረታ ዝዕፀወሉን ዝኽፈተሉን ዕለት -

4.1. ዕለት 26/08/2018 ዓ.ም ስዓት 8:30 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ስዓት 9:00 ተጫረቲ ወይም ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ልዕል ኢሉ ኣብ ዝተጠቀሰ ኣድራሻ ብግልፂ ይኸፈት፣

5. ቢሮና ነቲ ዘውፀኦ ጨረታ ከም ኣድላይነቱ 20% ናይ ምውሳኸ ወይም ናይ ምቕናስ መሰሉ ዝተሓለወ'ዩ፣

6. ኣብዚ ጨረታ ሰዓራይ ዝኮነ ትካል ካብ ዘሸነፎ ጠቅላላ ዋጋ 10% አትሒዙ ውዕሊ ዝኣስርን

7. ስዓራይ ብቲ ዝወፀ ስፐሲፊክሽን መሰረት ፅሬቱ ብዝምልከቶም ኣካላት ምስተረጋገፁ ኣብቲ ዝድለየሉ እዋን ብናይ ባዕሉ ትራንስፖርት ናብ ቤት ፅ/ትና ኣታዊ ይገብር፣

8. እዚ ጨረታ ፀኒዑ ዝፀንሉ ግዜ ጨረታ ካብ ዝተኸፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን15 መዓልቲ ይኸውን፡፡

9. ዝቐርብ ሰነድ ጨረታ ሓደ ኦርጅናልን ኣብ ኩሉ ገፅ ናይቲ ትካል መሓተም ዝዓረፎን ሓደ ኮፒን ይኸውን

10. ቢሮና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብክፋል ይኹን ብሙሉእ እቲ ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ'ዩ፣

11.ንዝበለፀ ሓበሬታ፡- ቢሮና ዝርከበሉ ፊትለፊት ኣግኣዚ ባንኪ ጎኒ ዘዮርዳኖስ ሆቴል ስ.ቑ 0344409343 / 0914734003 ወይ 0914766550/ ደዊልካ ምሕታት ይከኣል'ዩ፡፡

ቢሮ ጉዳያት ኮሙኒኬሽን ክልል ትግራይ