1 ናይ 2017 ዓም ግብሪ ዝከፈለ : ንግዲ ፍቃድ 2018 ዓም ዝሐደሰ : መለለይ ቁፅሪ ቲን ናምበር ከቅርብ ዝክእል
2 ከምእዉን ናይ መቅረባይነት ሰርተፊኬት መታወቂያ ዝተሐደሰ ከቅርብ ዝክእል
3 ናይ ተቅርብዎ ንብረት ዓይነት ንግድ ፍቃድ ኦርጅናል ፎቶ ኮፒ ከቅርብ ዝክእል
4 ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 200 ብር ብምክፋል ካብ መባእታዊ ሆስፒታል ዓዲ ዳዕሮ ክትወስዱ ትክእሉ
5 ሕድሕድ ሰነድ ጨረታ እንትምላእ ሰም ኣድራሻ ፊርማን ማህተምን ክዓርፎ አለዎ
6 ንሕድሕድ ሰነድ ጨረታ እንትምላእ በቲ ዝቀረበ ስፐስፊኬሽን ክምላእ አለዎ
7 ናይ ባዕልካ ስፐስፊኬሽን ምእታዉ ኣይፍቀድን
8 ሰዓራይ ዉዕሊ ክኣስር ከሎ ካብ ጠቅላላ ዋጋ 10 ሚእታዊ ዉዕሊ መከበሪ ከትሕዝ ዝክእል
9 እቲ ሰነድ እንትምላእ ስርዝ ድልዝ ክህልዎ የብሉን እንተሃሊዎ ፊርማ ክዓርፈሉ አለዎ
10 እቲ ቤት ፅሕፈት ነቲ ጨረታ መሉእ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝሐለወ እዩ
11 እቲ ቤት ፅሕፈት ጨረታ ምስተከፈተ ከምኣድላይነቱ ናይ ዝግዛሕ ኣቅሓ ክሳብ 20 ሚእታዊ ከዉስክ ወይ ክቅንስ ይክእል እዩ
12 ካብ ዕለት 5/8/2018 ዓም ክሳብ 19/8/2018 ዓም ናብ መባእታዊ ሆስፒታል ዓዲ ዳዕሮ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋ ፋይናንስን ምምሕዳርን እናመፃእኩም ኣብ ስራሕ ሰዓት ሰነድ ጨረታ ክትወስዱ ትክእሉ
13 እቲ ጨረታ ዕለት 20/8/2018 ዓም ዝዕፀወሉ ሰዓት 4:00 ኮይኑ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:30 ይክፈት
14ሰዓራይ ኣካል ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ናብ መባእታዊ ሆስፒታል ዓዲ ዳዕሮ ከቅርብ ዝክእል
15 ሰነድ ጨረታ ኦርጅናል ኮፒን ነንበይኑ ብፖስታ ተዓሽጉ ከቀርብ አለዎ
16 ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ን 46 መዓልቲ ይከዉን