የትግራይ ክልል ሴቶች ማህበር
⚡ ፈጣን የአይአይ ማጠቃለያ
➢ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ንመቐለ ሴፍ ሃውስ ዝውዕል ናይ ሕክምና ላብላቶሪ፣ ፓቶሎጂን ምርመራን ከምኡ እውን ናይ ዝፈላለዩ ንብረታት ፅገና ግልጋሎት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክውዕል ይደሊ።
➢ ተጫረቲ ናይ 2018 ዓ.ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ፣ መቕረባይነት፣ ናይ ቫት (VAT)ን ታክስ (TIN)ን መዝገብ ሰርተፊኬት ከቕርቡ ዝኽእሉን ናይ ጠቕላላ ዋጋ 2% ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ (CPO) ከትሕዙ ዝኽእሉን ክሆኑ ይግባእ።
➢ ናይ ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ 100.00 ብር ብምክፋል ካብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ብኣካል ብምምፃእ ምውሳድ ይካኣል።
➢ ጨረታ ካብ ዕለት 23/07/2018 ዓ.ም ክሳብ 30/07/2018 ዓ.ም ኣብ ኣየር ዝፀንሕ ኮይኑ፣ ብዕለት 30/07/2018 ዓ.ም ሰዓት 4፡00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4፡30 ኣብ ቀበሌ 15 ኣብ ዝርከብ ዋና ቤት ፅሕፈት ይክፈት።

ን 2ይ ግዜ ዝወፀ ምልክታ ጨረታ

ንማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ CRC project ንመቐለ ሴፍ ሃዉስ ግልጋሎት ዝዉዕል፡-

➢ ናይ ሕክምና ላብላቶሪ፣ ፋቶሎጂን ምርመራ

➢ ናይ ዝየፈላለዩ ዓይነት ንብረት ፅገና

ብግልፂ ጨረታ ዉዕሊ አሲራ ተስርሕ ስለዝደለየት ሕጋዎት ነጋዶ ዝኾንኩም ንክትወዳደሩ ትዕድም::

ተጫረቲ ከማልእዎ ዝግበእ ረቋሒታት

1. ናይ 2018 ዓ.ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፋቃድ ከቅርብ ዝክእል

2. ዝተሓደሰ ናይ ቫት ተመዝጋቢ ሰርተፊኬትን መቕረባይነትን ከቅርብ ዝክእል

3. ናይ ግብሪ ከፋላይ መፍለይ ቁፅሪ ( TIN NO) ከቅርብ ዝክእል

4. ተጫረቲ ምስ ቫቱ ዝተመልአን ናይ ጠቕላላ ዝተጫረቶ/ዝመልእዎ ድምር ዋጋ 2% ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ከትሕዝ ዝክእል

5. ተጫረቲ ዝመልእዎ ዋጋ ነፀጋ ዋጋ ምስ በዝሒ ዝተራበሐ ጠቕላላ ድምር ከቐንጡ አለዎም

6. ናይ ጨረታ መግዝኢ ሰነድ ዘይምለስ ብር 100.00 ብምክፋል ካብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ደቂ አነስትዮ ትግራይ ብአካል ብምምፃእ ምውሳድ ይካአል

7. ተጫራታይ ስዓራይ ምኳኑ ከብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ አብ ውሽጢ 3ተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ሪፖርት ክገብር

8. ተጫራታይ ካብ ናይ ቤት ፅሕፈትና ስፒስፊኬሽን ወፃኢ ምምላእ አይፍቀድን

9. ተጫራታይ አብ ሰነድ ጨረታ ስርዝ ድልዝ እንተሃልይዎ ብቀጥታ ካብ ጨረታ ይስረዝ

10. ጨረታ ሰነድ አብ አየር ዝፀንሐሉ ግዜ ካብ ዕለት 23/07/2018 ዓ.ም ክሳብ 30/07/2018 ዓ.ም ዝፀንሕ ኮይኑ ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 30/07/2018 ዓ.ም ሳዓት 4፡00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4፡30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረከብሉ አብ ቀበሌ 15 አብ ዝርከብ ዋና ቤት ፅሕፈትና ዝክፈት ይክውን

11. ቤት ፅሕፈትና ካብቲ ዘጫረቶ 20% ምዉሳኸ ወይ ምቕናስ ይኸእል

12. መክፈቲ ዕለት ቀዳም ሰንበትን እንተዊዒሉ አብ /ዝቅፅል ናይ ስራሕ መዓልቲ ዝክፈት ይክውን

13. ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ