የዓድዋ ከተማ እቅድና ፋይናንስ ጽህፈት ቤት

ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይንስን ወረዳ ዓድዋ ን2018 ዓም ንቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ዘፈር ቁጠባ ዓድዋ ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ፡ ደርሆን ፡ ናይ ማይ ኣቅሑትን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

1 ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎም በዚ ዘፈር ናይ 2018 ዓም ንግዲ ፍቃድን መቅረባይነትን ሰርተፊኬት ዝተሐደሰ ቲን ቁፅሪ ዝሐዘ

2 እዚ ጨረታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት 21/7/2018 ዓም ሰዓት 2፡30 ንጉሆ ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 6/8/2018 ዓም ሰዓት 4፡00 ቅድሚ ሰዓት ኣብ ስራሕ ሰዓት ካብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ዓድዋ ሰነድ ጨረታ ንመወሳድ ንናይ ደርሆን ናይ ማይ አቅሑትን 100 ብር ኣብ ሒሳብ ክፍሊት እናከፈልኩም ንፅሕፈት ብነፃ ካብ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ንብረትን ምምሕዳርን ቢሮ ቁፅረ 7 ምዉሳድ ይክእሉ

3 ተጫረቲ መጎዓዝይን ካልኦትን ወፃኢታትን ብናይ ባዕሎም ብምሽፋን ፅሕፈት መሳርሒ ደርሆን ናብ ወረዳ ዓድዋ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ናይ ማይ ኣቅሑት ናብ ወረዳ ዓድዋ ማለት ሸዉት ፈልሲ ጣብያን ደብረ ገነት ፈልሲ ጣብያን ከቅርብ ዝክእል

4 ናይ ጨረታ መከብሪ ንደርሆ 5000 ፡ ንናይ ማይ ኣቅሑት 2000 ፡ ንፅሕፈት መሳርሒ 2000 ኮይኑ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሰርቲፋይድ ቼክ ስፒኦ ወይ ኣብ ኩነታት ዘይተመሰረተ ዉሕስና ባንኪ ከትሕዝ ዝክእል

5 ሰነድ ጨረታ ካብ ዕለት 21/7/2018 ዓም ክሳብ 06/08/2018 ዓም ናብ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዱቅ ኣብ ስራሕ ሰዓት በቲ ዕለት ክሳብ ሰዓት 4፡00 ቅድሚ ሰዓት አታዊ ዝገበር ኮይኑ ልክዕ በቲ ሰዓት 4፡15 ይክፈት

6 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም አብዘለዉዎ እቲ ጨረታ ይክፈት ይኩን እምበር ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ብዘይምርካቦም ጨረታ ምክፋት አይጎላላእን

7 ጨረታ ዝፀንሐሉ ግዝ ካብ 10 መዓልቲታት ዘይበለፀ ይከዉን

8 ተጫረቲ ንዝቅረብዎ ንብረት ድማ ቤት ፅሕፈት ዘቅረቦ እስፐስፊኬሽን ወካሊ መርኣያ ወይ ብባዕል ሞያ ዘረጋገፀ መሰረት ከቅርብ ዝክእል

9 ቤት ፅሕፈትና 20 ሚእታዊ ክዉሳክ ወይ ክቅንስ ዝክእል ምካኑ

10 ተጫረቲ ዘቅረብዎ ሰነድ ፊርማን ማህተምን ክህልዎ ይግባእ

11 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ሙሉእ ብመሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 09141755554 0946468445 0914787245